ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ብምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይረኣዩ ኣለዉ። ።እቶም ስደተኛታት ብዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕትታት ሰጊኦም ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኤምባሲታቶም ብምኻድ ዑቅባ ይሓቱ ከምዘለዉ እውን ይሕበር።
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ቃይስ ስዒድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንስደተኛታት ዘቈናጽብ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕሊላፉ ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታን ተራ ዜጋታትን ዝካየድ መጥቃዕቲ ዕለታዊ ይብእስ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣስታት 300 ስደተኛታት ዜጋታት ማሊን ኣይቮሪኮስትን ብሰንበት 4 መጋቢት ብወልንተኦም ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
135 ካብቶም ተመላሶ ዜጋታት ማሊ ኮይኖም ፡ ናብ ከተማ ባማኮ ብሰላም ምእታዎም ኤኤፍፒ ገሊጹ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ተመላሶ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ቱኒዝያውያን ኣይፈትዉናን’ዮም ግፍዒ እውን ኣብ ልዕለና ፈጺሞም ኣለዉ፡ ስለዚ ካብታ ሃገር ክንወጽእ ተገዲድና” ይብል። “ውሕስነት ስለዘይብለይ እየ ዝምለስ ዘለኹ” ዝበለ ካልእ ስደተኛ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ኣብ ሞንጎ ኣቋሪጹ ክምለስ ከምተገደደ ይጠቅስ።
ካልኦት 145 ኣይቮራዉያን ስደተኛታት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቢጃን ኣብ ዝኣተውሉ እዉን ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምተገብረሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ስዒድ ፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣብ ልዕሊ ዝመጹ ስደተኛታት “ህጹጽ ስጉምትታት” ክወስዱ ንኣባላት ጸጥታ ሃገሩ ድሕሪ ምእዛዙ ፡ ብርክት ዝበሉ ቱኒዝያውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጎነጽ ክጥቀሙ ከምዝጀመሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካልኦት ኣማኢት ስደተኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ተታሒዞም ካብ ገዝኦምን ስርሖምን ከምዝተባረሩ እየን ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሳ።
ሓያለ ካብቶም ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብናይ እምባጋሮ ጉጅለታትን መንእሰያትን ናይ ዝነብሩሎም ከባቢታት ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ይበጽሖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ኮይኖም፣ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምድንጓያት ከምዘርእዩ እዮም ዝወቕሱ።