በቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሪቱ ዘሎ ደርቂ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ኬንያን ብጠቕላላ ኣስታት 9.5 ሚልዮን ጥሪት ከምዝሃለቓ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መግለጺ፣ እቲ ህልቂት ነቶም ኣታዊታቶምን መነባብርኦምን ኣብ ሕርሻ እንስሳ ዝምርኮስ ክፋላት ሕብረተሰብ ብኸቢድ ሃስዩ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ በቲ ሰሪቱ ዘሎ ደርቂ ኣብ ኢትዮጵያ 4 ሚልዮን፣ኣብ ሶማል 3 ሚልዮን ኣብ ኬንያ ድማ 2.5 ሚልዮን ጥሪት ሃሊቐን ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዝብእስ ዘሎ ህልቂት ብፍላይ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓለፋ ይጸሉ ከምዘሎ እዉን ይንገር። ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ኣስታት 5 ሚልዮን ቈልዑ ብከቢድ ዓጸቦ ተሰኒፎም ከምዘለዉ፣ ብተወሳኺ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህጻናት ብሰንኪ ጥሜት ትምርቶም ከየቋርጹ ተሰጊኡ ምህላዉን ይንገር።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፣ ኣብቲ ዞባ ሰሪቱ ንዘሎ ክቱር ጥሜት ንምዝላቕን በቲ ኩነታት ሓለፋ ተጸልዮም ንዘለዉ ኣስታት 8.8 ሚልዮን ሰባት ንምርዳእን ብዉሑዱ 2.4 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዘድሊ ይሕብር ።
ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ብሰንኪ ብኲራት ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ክራማት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓለፋ ካብ ዝተጸልዋ እየን። ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይጌሩ ፡ መጠን ሞት ናይቶም ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ብጥሜት ዝጥቃዕ ህዝቢ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ከምዝኸዉን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብቐጻሊ ክሕብራ ጸኒሐን ኣለዋ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓጸቦ ኪእወጅ ልዑል ስግኣት ከምዘሎ ከጠንቅቕ ዝጸንሐ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተርእዮ ኣብ ዓመተ 2023 ዝበኣሰ ከምዝኸዉን ብምዝኽካር፣ ኣብ 21 ክፍለዘመን ጃምላዊ ጥሜትን ዓጸቦን ክርአ ዘሕንኽ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።