ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ውድቀት ኣብ ሓጺር እዋን ትንፋስ ኪሶኲዕ’ዩ ኢልካ ኽግመት ከምዘይከኣል ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተመዝጊቡ ዘሎ ድሕረት፣ ብመለኪዕታት ልምዓትን ምዕባለን ክትግምግሞም እኳ ከምዘሕንኽ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ብሰንኪ ሕመቚ ወሪዱ ዘሎ ድሕረት ኽጽግን ምዃኑ ዘተስፉ ሓድሽ መብጽዓ ብምዉዕዋዕ ብስም ዳግመ-ህንጻ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ዘይነጽፍ ጉልበታዊ ኣገልግሎት ከዳኽሞ መዲቡ ምህላዉ ኣዘኻኪሮም።

ከተማታት ኤርትራ፣ ከም ከተማታት ከጸዉዐን ዘኽእል መባእታዊ ኣገልግሎታት እኳ ተሓሪምወን ከምዘሎ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ሕመቚ ዘየሕፍሮ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ ድኽነት ተደርቢዩ ከምዘሎ ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።

ከተማ ኣስመራ፣ ህዝቢ ዘይነብራ ከተማ ኪትመስል መናድቕ ዉቁብ ህንጻታታ ነቒዑን ተቐሊጡን፣ ምስላ ሓሚዱ ጥራይ ኽትርኢ፣ ንኤርትራ ከመይ ዘበለ ውዱቕን ሽምጉልን ስርዓት ሒዝዋ ወዲቚ ከምዘሎ ዘረጋግጸልካ ቅሉዕ ኣብነትዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ነታ ንከባቢ ሳላሳ ዓመታት ዝርካባ ኣሕዲጉ ረሚስዋ ዘሎ ሃገር፣ ሕጂ’ዉን ብወፈራ ህዝቢ ኪሃንጻ እየ ብዝብል ሽርሒ ንተወሰኽቲ ሳላሳ ዓመታት ንህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ጉልበታዊ ምዝመዛ ከባሪይ መደብ ከምዘለዎ እዮም ዘቃልዑ።
ኣብ ጽዑቕ ኲናት ጸኒሑ ካብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ሕጂ’ዉን ካብ ሃለኽለኽን ጉልበታዊ ምዝመዛን ከዕርፍ ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ክሕብሩ ወሪሖም እዮም።

ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ከመኽንየሉ ዝጸንሐ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህዉ፡ ሕጂ ድማ “ዳግመ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ምስምስ ንሰራዊትን ህዝቢን ገደብ ግዜ ኣብ ዘይብሉ ጉልበታዊ ወፈራ ከዳኽም መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዚዛረቡ።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘሎ መንእሰይ ናብራኡ ከይገብር ኣብ ስራዊት ከም ባርያ ንምቊጺጻሩ ነዚ ሓድሽ ልምዓታዊ ወፈራ ሰሪዑ ዘሎ ህግደፍ፣ እቲ ወፈራ ከም ዝሓለፈ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ መጻኢን ዕድልን ህዝቢን ሃገርን ከጸልምት እምበር ዝኾነ ረብሓ ዝህልዎ ከምዘይኮነ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም ኢትዮጵያዊ ምኽንያት፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸይድ ዳግማይ ጉልበታዊ ምዝመዛ ህዝቢን ሰራዊትን ከም መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ኣገንዚቦም ነይሮም።

ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብቐንዱ ንልምዓትን ጣዕሚን ሃገር ዘይኮነ ፣ ዜጋታት መለሳ ኣብ ዘይብሎም ወፈራታት ጉልበቶም እንዳመዝመዝካ ተመለኽቲ ንምግባሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ’ዩ እዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ወፍሪ ፡ሃገር ክትለምዕን ክትብልጽግን ዘይኮነ ፡ ዜጋታት ብዘይ ማይን መብራህቲን ኣብ ዝሓሰመ ድኽነት ኪነብሩ ገይሩ ዝርከብ።