ኣብ’ዚ ቅንያት ንእዋናዊ ኩነታት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ብዛዕባ ካብ’ቲ ኲናት ዝፈናቐሉ ዘለዉ ወገናት ኪደናገጽ ዝተሰምዐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሱዳን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት በተን ሃገራት ዉሕስነት ከይረኽቡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ዕንቅፋታት ይፈጥር ኣሎ።
እቲ መራሒ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ንሱዳናዉያን ይኹኑ ካልኦት ካብታ ሃገር ዝፈናቐሉ ዜጋታት ኪግበረሎም ብዛዕባ ዝኽእል ሰናይ ነገር ነዊሕ ምህውታቱ ዝዝከር ኮይኑ ነቶም ካብ ሱዳን ኣምሊጦም ናብታ ዘሳጎጎም ጉጅለ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ዳግማይ ክምለሱ ዝሰግኡ ዜጋታትና ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባን መጽለሊን ከይረኽቡ ከይደቀሰ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ፣ ካብ ካርቱም ናብ ጁባ ብክንደይ መሰናኽል ዝበጽሑ ኤርትራውያን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ተዓጊቶም ፣ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ደገፍ ከምዝተኸልኡ ከምሳዕቤኑ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዘይ ዋሕስ ክቅበለኹም ኣይኽእልን እየ ስለ ዝበሎም፣ እቶም ዜጋታትና ኣብ ሰንፈላል ክወድቊ ካብ ዝኾነ ትካል ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኣብ ከተማ ጁባ ካብ ዝርከብ ኤርትራዊ ድማ ደገፍ ክምሕጸኑ ቀንዮም እዮም።
እቶም ካብ ሱዳን ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝህቅኑ ኤርትራዉያን ተፈናቐልቲ እዉን ካብ ኤምባሲኹም ናይ ዉሕንስና ፍቓድ ኣይመጸኣናን እንዳተባህሉ ብኣባላት ጸጥታ ኪጓነዩን ኣብ ቃልዕ ኪድርበዩን ምቕናዮም ተሓቢሩ እዩ።
ሱዳናውያን ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ናብ ኤትዮጵያ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ኤርትራውያን ግን ኤምባሲኹም ኸይነሕልፈኩም ከልኪልኩም ኣሎ ዝብል መልሲ ክወሃቦም ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።