ኤርትራዉያን ሲቪካዉያን ማሕበራት ዝርከብአን ኣስታት 35 ተሓለቕቲ ትካላት ሕጂ’ዉን ኣብ መፋርቕ ናይዛ ዝዛዘምናያ ወርሒ ግንቦት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሰደድኦ ክቱም ደብዳቤ፣ እቲ ባይቶ ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከናዉሕ ዳግማይ ጠሊበን።

እተን ትካላት ኣብ ጻዉዒተን፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ከየመዝገበ ይቕጽል ብምህላዉ ህላዌን ኣድላይነትን ተኸታታሊ ኣካል ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ግህሰታት ዝፍጽም ዘሎ ወገን ኣካይዳታቱ ቀይዲ ንኽህልዎ ዝደፍእ ዉን እዩ ኢለን።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፣ ካብ 19 ሰነ ክሳብ 14 ሓምለ ኣብ ዘካይዶ መበል 53 ስሩዕ ኣኼባ፣ ብጉዳይ ኤርትራ ጸቒጡ ኪዛተ ዝጠለበ እቲ ሓባራዊ ደብዳቤ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ 2022 ናይ ሓደ ዓመት መዝነት ዝተወሰኾ ፍሉይ ተኸታተሊ ዶክተር መሓመድ ባቢኬር ሕጂ እዉን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ስራሑ ኸቃንዕ ከፍቅደሉ ጠሊቡ ኣሎ።

እተን ትካላት ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተቓንዐ መበል 52 ዋዕላ ተመሳሳሊ ጠለብ ድሕሪ ምቕራበን ዕምሪ እቲ ተኸታታሊ ኣካል ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ምኽኣሉ ኣይርሳዕን።
ፍሉይ ተኸታታሊ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣቶ መሓመድ ባቢኬር ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ኣብ ዝህቦም ጸብጻባት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰባኣዊ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝደጋግም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወቲን መስወርቲን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ምስ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘዕግብ ስራሕ ከምዘይኣመዝገበ እዩ ኣቶ መሓመድ ባቢኬር ብቐጻሊ ዝጽብጽብ።