መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ሩስያ ዑደቱ ከቲምዎም ዝመጸ ሕቡኣት ውዕላት ሕጂ’ዉን ከምልሙድ ብኹድኖም ንህዝቢ ከይሓበረ ናብ ሃገር ተመሊሱ ኣሎ።

ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ቊጠባዊን ጸጥታዊን መዳያት ዝርርባት ተኻይዶም ካብ ምባል ሓሊፉ ንመገሻ መራሒኡ ኣብ ሩስያን ዝኣተዎም ዉዕላትን ብዝምልከት ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዘይህሉ ርዱእ እዩ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ከቢድ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣጸቢቚ ዝተረድአ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ምስ ሩስያን ቻይናን ናይ ምዉጋን ኣማራጺ ኣጥቢቑ ይኽተሎ ምህላዉ ይፍለጥ። ምስተን ክልተ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ምጽግጋዕ ኪንዮ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ፣ ህግደፍ ሽፋን እተን ክልተ ሓያላን ሃገራት ረኺቡ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ንምትምማን ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ።

ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ፣ ህግደፍ ምስ ሩስያ ዝተፈላለዩ ጸጥታዉን ወተሃደራዉን ዉዕላት ብምስጢር ኣቃኒዑ ከምዘሎ እዩ። እቶም ውዕላት ንጸጥታን ድሕነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮኑ ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኖም እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንምልሶት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ከም ልሙድ – ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝርርባት ተቓኒዖም ዝብል እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣየካፈለን ።

ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቓጻዕትታት ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደገፍ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክቕበል ይረአ ከምዘሎ ይንገር።

ንቐጻልነቱ ከስግኡ ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣብ ዝኽሰትሉ ግድን ወቕታዉያን መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ እዚ ሕጂ ካብ ቻይናን ሩስያን ኸረጋግጾ ደልዩ ዘሎ ደገፍ- ንጥቕሚን ልምዓትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገሩ ነተን ዝቐርበኣን ዝመሓዘወኣን ሃገራት ኣጽዋርን ክትሸጠለንን፡ ወተሃደራዊ ቊመናአን ኣብ ምሕያል ክትተሓባበረንን ድልዉቲ ምህላዋ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።