ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛይዱ ዘሎ ተርእዮታት ግዱድ መስወርቲ ብቕልጡፍ ደዉ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ጸዊዑ ።
እቲ ኮሚሽን ብ5 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ሓያል ከባቢታት እታ ሃገር ግዱድ ምስወርቲን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ይገንን ምህላዉ ከምተዓዘበ ጠቒሱ ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ እዚ ጉዳይ ኣብ ሓጺር ንምፍታሑ ኪጓየ ተማሕጺኑ ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓያለ ከተማታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን መጠን ገበናት ይንህር ከምዘሎ ፡ በቶም ምስ ሰብስልጣን እተን ከተማታት ዘካየዶም ርክባትን ኣብ ሓያለ ኣብያተማእሰርቲ በጺሑ ዘዋህለሎም ትዕዝብትታትን ክርዳእ ምኽኣሉ ኣገንዚቡ።
ሰባት ሲቪላዉን ወተሃደራዉን ኽዳን ብዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ፣ ካብ ገዝኦም፣ ስራሖምን ጐድናን ተሞቚሖም እንዳተወስዱ ፣ ናበይ ከምዘበሉ ንምፍላጥ የጸግም ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ እቲ ኮሚሽን ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕጋጋትን መትከላትን “ኣህጉራዊ ዉዕል ንድሕነት ኩሎም ሰባት ካብ ግዱድ መስወርቲ” ብግቡእ ከኽብር ተላብዩ።
ምስቶም ተሰዊሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ደሃዮም ዘይተረኽበ ወገናት ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ኮሚሽን ፣ ናይቶም ተሰዊሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ዜጋታት ደሃይ ንምርካብ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቕለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ፡ ነቲ ኣሰካፊ ተግባር ኣብ ምግታእ ግዝያዊን ነባሪን ፍታሕ ከምጽኡ ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ኪጸምድ ብምልባዉ ፣ ተሓታትነትን ትካላዉነትን ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ ።
እቲ ግዱድ መስወርቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ተደናገጽቲን ተቛወምቲ ሰልፍታት ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ገኒኑ ይርአ ምህላዉ ዘመልከተ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ በቶም ብመንግስቲ ዝቕጽሉ ዘለዉ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተሓረሞም ዘይሕጋዊ ማእሰርትታት እዉን ሓያለ ዜጋታት ኣብ ናይ ዓመታት ድጎና ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣስሚርሉ።
እቲ ኪሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዉን ፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ብዘይ ሕጊ ይእሰሩ ምህላዎም ከሲሱ ነይሩ። ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ መጽናዕቲ ዘካየደ እቲ ኮሚሽን፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ እዩ ጸብጺቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ብ2 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ፣ ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።
ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ፣ ማለት ከም ARRAን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ፣ ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ እዩ።