
ካብ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ጂዳ ኣርሒቘም ዘለዉ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብቲ ዘተ ሰላም ክምለሱን ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ቀዳምነት ክህቡን ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ደጊመን ጸዊዐን ። መንጐኛታት እቲ ዘተ ሰላም ዝኾና እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ዝገበርኦ መጸዋዕታ ፣ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ብቕልጡፍ ናብ ዘተ ክምለሱ ዝጠልብ እዩ።
እቶም ሱዳናዉያን ወገናት ካብቲ ዘተን ስምምዓቱን ካብ 1 ሰነ ጀሚሮም ስሒቦም እኳ እንተሃለዉ ወኪላቶምን ግን ገና ኣብ ስዑድያ ምህላዎም ይንገር።
ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ከተማ ጂዳ ናይ ሱዕድያ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪታት ዘተ ሰላም ኢዱ ብምስሓቡ ወተሃደራዊ ቅልዉላዉ እታ ሃገር ናብ ዝበእኣሰ ሸነኽ ከየምርሕ ተሰጊኡ ምህላዉ ይፍለጥ።
ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ጽምዶ ዝሰሓበሉ ቀንዲ ምኽንያት ኪገልጽ እንከሎ ፣ ብወገን ዳዕመል ኣልሰሪዕ ኣብ ትግባሬ ናይቶም ክብጽሑ ዝጸንሑ ስምምዓት ቀጻሊ ሸልለትነት ሰሪቱ ኣሎ ዝብልዩ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ብወገኖም ተመሳሳሊ ክሲ ብምስማዕ፣ ሰራዊት ሱዳን ብዘይቀይዲ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከቃንዕ ስለዝደለየ እዩ ምስምሳት ብምፍጣር ካብ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ዝሃድም ዘሎ ይብሉ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ’ቲ ዝርርባት ሰላም ኢዱ ምስሓቡ ንዝኸይድ ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከየቚርጽን ካልኦት ኣማራጺታት ሰላም ሃሰዉ ኣብ ምባል ምስልቻዋት ከይርአን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተማሕጺኑ እዩ። እቲ ዛጊት ብተደጋጋሚ ዚጠሓሱ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ኪእተወሉ ዝጸንሐ ኲናት፣ ንከባቢ 1.4 ሚልዮን ሰላማዊ ህዝቢ ካብ ቤትንብረቱ ኣመዛቢሉ ፣ ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር።
ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።
ኣብ ክፍሊ ተረዠሪ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ምስ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ይቃረባን በብወገነን ዝደጋገፋን ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበለን 4 ኩባንያታት ሱዳን ተረርቲ እገዳታት ምሕላፉ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ። እተን ኣርባዕተ ኩባንያታት ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኪጋደድ ፊናንሳዊ ውሕስነት ይህባ ኣለዋ ብዝብል እዩ ምምሕዳር ዋሺንግተን እገዳ ኣሕሊፉ።
እቲ ተወሲዱ ዘሎ እገዳ ፣ ናብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ይኹን ሰራዊት ሱዳን ዘምርሕ ፊናንሳዊ ደገፋት ኮሊፍካ እቶም ወገናት ንደሞዝ ሰራዊቶምን፡ ሸመተን ኣጽዋርን ካልኦት ቀረባትን ተጻጊሞም ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ኪቃረቡ ንምድፋኦም ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ስብስልጣን ኣመሪካ ዝሕብሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሸፈነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዖም ዝጸንሑ እገዳታት ብምስፋሕ ፣ ዝኾነ ንምርግጋእን ደሞክራስያዊ ስግግርን ሱዳን ኣብ ዝጻባእ ተግባር ዝወፈረ ዉልቀሰብ ይኹን ወገን ተወሳኺ እገዳ ኪጸንዕ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ትዛዝ ምትሕልላፉ ኣይርሳዕን።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲ ሱዳን፣ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ሱዳን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ገንዘብን’ቶም ምስ ኲናት ዳርፉር ምትእሲሳር ዘለዎም ወገናት ጸኒዖም ዝጸንሑ ክልተ እገዳታት ዘስፍሕ እዩ።
ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣመሪካ፣ ኣብ ጸጥታ፣ ሰላም፣ ድሕነትን መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ስርዓትን ሱዳን ኣብ ዝዕንቅፉ ተግባራት ዝሳተፉ ሱዳናዉያን ይኹኑ ካልኦት ዉልቀሰባትን ሓይልታትን ተወሰኽቲ ተረርቲ መቕጻዕትታት ክጸንዑ ዝሕልን እዩ።
ኣመሪካ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ደዉ ክብል ከምዘይመስል እያ ትግምት። ዳይረክተር CIA ኣቭሪል ሃይነስ ንሓንቲ ካብ ኮሚተታት ሰኔት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ካብ ግዳማዉያን ሓይልታት ሓገዝ የናድዩ ብምህላዎም እቲ ኲናት ንንዉሕ ዝበለ እዋን ክቕጽል ከምዝኾነ ኣተንቢሃ ነይራ።


