ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ካጉታ ሙሰቨኒ ብኮቪድ-19 ምልካፉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ናይ ጉንፋዕ ምልክታት ከርኢ ምስ ጀመረ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ምህላዉ ከምተረጋገጸ ኣረዲኡ።
ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ፣ መልከፍቱ ክሳዕ ዝሓዊ ድማ ኣብ ገዛ ኾይኑ መንግስታዊ ስራሑ ከቃንዕ ምዃኑ እዩ እቲ ሚኒስትሪ ዝሕብር። ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ሙሰቪኒ፡ ብ7 ሰነ ኣብ ቀጽሪ ባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዘስመዖ ሃገራዊ መግለጺ ፣ ናይ ኮሮና እዮም ዝብሎም ምልክታት ክስምዕዎ ከምዝጀመረ እዩ ነጊሩ።
ኡጋንዳ፡ ካብተን ብኮቪድ-19 ሓለፋ ዝተሃስያ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ህዝቢ ልዑል ጥንቃቐታት ንኽገብር፡ ብቐጻሊ ናብ ተለቪዥን እንዳቐረበ ምኽርታትን ሓበሬታታትን የካፍል ምንባሩ ኣይርሳዕን።