ግጭት ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ብዝሓየለ ኣገባብ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ። ን12 መዓልታት ዝኸደ ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ብ 3 ሰነ ድሕሪ ምኽታሙ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ተራጸምቲ ወገናት ወተሃደራዊ ጎንጺ ይጽዕቕ ምህላዉ እዮ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ፡ ብሰሉስ 6 ሰነ ንሓደ ገዚፍ ፋብሪካን መኽዘንን ኣጽዋር ናይ ከተማ ካርቱም ንምሓዝ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ካብ ሰራዊት ሱዳን ተሪር ግብረመልሲ ብምምጽኡ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ሓያል ባርዕ ከምተራእየ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።

ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ነቲ “ያርሙክ ኮምፕለክስ” ኣብ ዝጽዋዕ ክሉል ቀጽሪ ንዝርከብ ብኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት መንግስቲ ዝሕሎ ፋብሪካ እዮም ኪምንዝዑ ሃቂኖም። ኲናት ሱዳን ብፍላይ ኣብተን ዝዓበያ ሰለስተ ከተማታት ማለት ካርቱም፡ ኡምዱርማንን ባሕሪን ናህሪ ይዉስኽ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣብ ዳርፉር እዉን ኣዝዩ ከቢድ ኲናት ይቕጽል ምህላዉ የረድኡ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ምስ ዘሎ ጻዕቂ መኽዘናትን መዐደሊን ነዳዲ፣ በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናይ ዝስዕብ ነትጒን ባርዕን ብዝሒ ይተዓጻጸፍ ምህላዉ እዉን ይሕበር። ዛጊት እቲ ኲናት ንኣሳታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ከምዘሎ ፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ካብ’ቲ ተፈናቓሊ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደመ ምዃኑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይጽብጽቡ።

ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።

ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብ’ቲ ኮሊፎሞ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓጺር እዋን ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ኩነታት እታ ሃገር ብቐሊሉ መምለሲ ኪርከቦ ናብ ዘይክእል ዉድቀት ኪሽመም ምዃኑ እዮም ንእዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዘተሓሳስቡ።