ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ብሄራት ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ኣማኢት ነበርቲ ከተማ ሞያለ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ይስደዱ ከምዘለዉ ሎሚ 24 ጥቅምቲ 2026 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ግጭት ካብን ናብን ዝግበር መዓልታዊ መስርሕ መጓዓዝያ ከምዘተዓናቐፈን ንግዳዊ ንጥፈታት ከምዘቋረጸን ዝተገልጸ ኮይኑ፥ ብዙሓት ስድራቤታት ካብቲ ከባቢ ብምውጻእ ዉሕስነት ንምርካብ ናብ ኬንያ ይኣትዉ ከም ዘሎዉ ይጠቅሱ።
ብወገን ኬንያ፡ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ነቶም በቲ ዝተፈጥረ ግጭት ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ይግለጽ።