ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ኣብ መቐለ ሎሚ 15 ነሓሰ ዝተቓንዐ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ተረኺቡ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኣመሓላሊፉ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ፡ “ኣብ’ዚ መድረኽ ከም ህዝቢ ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና፡ ኩሉ ትግራዋይ ንገዛእ-ርእሱ ክሓትትን ባዕሉ መፍትሒ ሓሳብ ብምቕማጥ ክምልሶን ይግባእ” ኢሉ። እዚ ዝበለ፡ ኣብቲ “ትግራይ ድሕሪ ጽንተታዊ ኩናት ናብ ዝሓሸ ብራኸ ዶ ናብ ዕንክሊላዊ ጉዕዞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ትካል GSTS ኣብ መቐለ፡ ርእሲ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ዘዳለዎ መድረኽ እዩ።

ፕረሲደንት ጌታቸው ብምውሳኽ “ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ይሃሉ፡ ሸለል ክበሃሉን ክስገሩን ኣብ ዘይግብኡ ጉዳያት፡ እዚ መድረኽ ንዘየነጸርናዮ ባህጊ ብሄራዊ ትግራይ ኣረዲኡ ዘነጽር ክኸውን ይግባእ” ክብል ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።

ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ውድብ ህውሓት ድሕሪ ዝተፈጥረ ናይ ሓሳብ ፍልልይ፡ ካብ’ቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝቃናዕ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ውድቡ ብገዛእ ፍቓዱ ኣንሳሒቡ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብዚ ንሱ ዝተረኽበሉ ናይ ምሁራንን ሰብ ሞያን መድረኽ ዘተ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ-ዓለም ዝመጹ ሙሁራን ተጋሩ ይሳተፉ ከም ዘለው ካብቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።