ደምዳሚ መግለጺ

ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

እቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ብተበግሶ ሓርበኛ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ (ሱዳን-ናው) ዝጀመረ
መስርሕ ሓባራዊ ከይዲ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ
ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)። ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ)፡ ደጊም ናብ
ልዕል ዝበለ ብራኸ ብምውጻእ ቀዳማይ ዋዕላኡ ብዓወት ካብ ዕለታት 05-08 ነሓሰ 2024 ኣካይዱ፡፡ እዚ ካብ
ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብኣካልን ብዘሎ ምዕቡል ናይ መንዛ ርኽክባትን ብምውህሃድ ዝተኸየደ ዋዕላ’ዚ፡ ገባቲ
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ራዕድን ሽበራን መቕዘፍትን፡ ኣብ ዞባና ንፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማትን
ንምዕራፍ፡ ብተወሳኺ`ውን ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ምስ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደሽቲ ዘየቕስኑ ኩነታት
ብምዝማድ፡ ህዝብናን ሃገራናን ካብዚ ሽግራት’ዚ ንምውጽኡ ክግበር ንዝግባኦ መዋጽኦታት ኩሉ ብዕምቆት
ዘትዩሉ። ንዝመጽእ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጠመተ ብምግባር፡ ፖሓኤ ዝምርኰሰሎም ፖሊቲካዊ መትከላትን፡
ዕላማታትን ቅዋማዊ መቖሚታትን ሓንጺጹ።
እቲ ካብ መፋርቕ 2020 ዝጀመረ ከይዲ ጉዕዞ ብዙሕ ብድሆታት ዝነበሮ ኮይኑ፡ እሞ`ውን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ
ብኪኖ’ቲ ግናይ ምልካዊ ስርዓት ተጻዒኑዎ ዝጸንሕ ጉድለት፣ ናይ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ
ናይ ዘይምስራሕ ጸገምን፡ ክብድህ ዝኸኣለ ባና ናይ ዓወት ኣብሪሁ ምህላዉዩ። ብርግጽ`ውን ዝተፈላልዩ
ኤርትራውያን ሓይልታት ብሃንቀውታ ዝጽበዩዎ ትስፉው መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ`ውን ብኻልኦት
ሓይልታት ከምዝትርንዕን ናብቲ ህዝብና ዝደልዮ ናይ ዓወት መንገዲ ከም ዝበጻሕና ዘበስርን ክኸውን`ዩ።
እዚ ዕዉት መስርሕ’ዚ፡ ክዉን ዝገበሩ ኩሎም ኣባላት ናይ እዘን ሰለስተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝነኣድ ኮይኑ፡
ብዝያዳ`ውን እቶም ነዚ ቅዱስ ዕማም ናብዚ ብራኸ’ዚ ከብጽሑ ዝኸእሉ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣዚና
ነመስግን። ንኹሉ ዝሓለፉዎ ስርሓቶም ዘንጸባርቕ ጸብጻቦቶም ብጽሞና ሰሚዑን ተቐቢሉን፡ ብማዕሪኡ`ውን
ኣመስጊኑን። ከምኡውን ነዚ ዕዉት ዋዕላና ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ምሳና ንዝቐነዮን ፡ ነዚ ህዝባዊ ዓወት
ንዘቃልሑን ወነንቲ ኤሪትራዊ ማሕበራዊ መራኽቢታት ኤሪሳት፡ ኤሪፒኤም፡ መስከረም 61፡ ስኒትና
ኔትዎርክ፡ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ሃገረይ ቲቪን ደጋጊምና ነመስግኖም።
ዋዕላና፡ ነቲ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝተነብረ ሃገራዊ መቆምያታት ማለት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ
ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ብምትካል፡ ሓድነት ህዝብና ብምርግጋጽ፡ ነጻነትን
ልዑላውነትን ሃገርና ብምዕቃብ፡ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝብና ብምውሓስን ምሕላውን ንዝብል ቅቡል ጌሩ
ንኸዕውቶን ወሲኑ ኣሎ።
ዋዕላና፡ ላዕለዋይ መሰጋግሪ ሽማግለን፡ ንመስርሕ ምስንዳእ ዋዕላና ብዕትበት ንዝሰርሑ ኩሎም
እንዳኣመስገነ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ እዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ንወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ሕሰምን
ስቅያትን ስድራ ቤታዊ ፍልሰትን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕራፍ፡ ምልጋስ ናይዚ ስርዓትዚ መተካኣታ ዘይብሉ
ብምዃኑ፡ ህዝብና ነዚ ክዓጥቕን፡ ዘሎዋ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን`ውን
ነዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዓወት መሳልል ብሓባር ክድይቡዎን ክጸናበሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ዋዕላና ጸዊዑ።
ዋዕላና፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ክዓመሙ ዝግብኦም ህዝባውን ፖሊቲካዊን መደባት ሓንጺጹን
ንዝምልከቶ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪሙን። ኩነታት ልዑላውነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ መኸተ ናይ ደምበ
ተቓውሞ፡ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ህዝባዊ ማዕበልን መንእሰያዊ ባህርያቱን፡ ጻውዒት

ንሓይልታት ኤርትራ፡ ወጻኢ ዝምድናታት ምስ ከባቢና ዓለምናን፡ ክመጸና ዝኽእል ዶብ ዝሰገረ ሓደጋታት፡
ከምኡ`ውን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ኣመልኪቱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ወሲዱ።
ዋዕላና፡ ኩሎም ኣባላት ፖሓኤ ነዚ ውሳኔታት ምስ ዝምልከቶም ተመሳሰልቲ ኣካላት ብምትሕብባር
ክኸዱዎን፡ ከድምዑሉን ይጽውዕ። ብማዕረዚ`ውን ኣሕዋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንዘሎና
ንኣሽቱ ፍልልያት ብምውንዛፍ፡ ንምእላይ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ሓቢርና ንኽንሰርሕ ይጽውዕ።
ዋዕላና ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ውሳኔታትዚ ንዝመጽእ 2 ዓመታት ዝመርሑ 21 ዝኣባልቱን፡ 3 ተጠባበቕትን
ዘሎዉዎ፡ መሪሕነት ኣቚሙ። ፖሓኤ ንቐጺሉ ሒዙዎ ዘሎ ፈላሚ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምዕዋት
ክሰርሕ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ዓለምና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ክርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንህዝብና ክልግሱሉን እንዳጸዋዕና፡
ነቲ ድሮ ተፈጺሙ ዘሎ እንዳኣመስገንና ንዝያዳ ተሳታፍነቶም ንጽውዕ።
ብሓድነት ንሓርነት!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!
ከተማ ቪስባደን፡ ጀርመን
08 ነሓሰ 2024