ኮሚተ ስደተኛታት ኣመሪካ (USCRI) ብዕለት 18 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጀርመን፣ ኦስትርያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ግሪኽን ዴንማርክን ዝርከብአን ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ዝሓዞኦ መደብ ብህጹጽ ደው ከብላ ጸዊዑ።

እተን “ጉጅለ ሓሙሽተ” ብዝብል ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምንባር መሰል ዘይብሎምን ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክእሉን ስደተኛታት ናብ ማእከል መመለሲ ሩዋንዳ ንምስዳድ ብዕለት 16 ሕዳር 2026 ዕላዊ መደብ ምግላጸን ይዝከር።

እቲ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ማእከላት መመለሲ ምጥያስ፡ ንተኣፈፍቲ ስደተኛታት ናብ መስጐጕቲ፣ ስቅያትን ከቢድ ሓደጋን ዘቃልዕ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ውዕል ስደተኛታት 1951 ዝሰፈረ ኣህጉራዊ መትከል ሰብኣዊ መሰላት ዝጋጮ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ኮሚተ ስደተኛታት ኣመሪካ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋሽ፡ “ጕጅለ ሓሙሽተ፡ ንሰባት ዝዀነ ምትእስሳር ናብ ዘይብሎም ሃገር ብምስዳድ፡ ካብዚ ዓለምለኻዊ ሕጋውን ሞራላውን ግዴታ ክሃድማ ይፍትና ኣለዋ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ፡ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ንተኣፈፍቲ ሰባት ንምክልኻል እምበር ናብ ተወሳኺ ሓደጋ ንምቅላዕ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣስሚሩ።

ባይቶ ኤውሮጳ፡ ኣብ ሰነ 2026፥ ከምዚ ዓይነት ስምምዓት ዘፍቅድ ሕጊ ዋላ እኳ እንተጽደቐ፡ ቅድሚ ሕጂ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ገይራቶ ዝነበረት ተመሳሳሊ ስምምዕ ብሰንኪ ሓያል ተቓውሞ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓምለ 2024 ምፍራሱ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ፡ ሩዋንዳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 7.5 ሚልዮን ዶላር ብምቕባል ካብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጐጉ ስደተኛታት ንምቕባል ዝጀመረቶ ኣሰራርሓ ሕጂ እውን ኣብ ሕጋዊ ክትዕ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት 47 ትካላት ረድኤትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ’ውን፡ እቲ ብዕለት 16 ሕዳር ዝተገልጸን ኣብ 2027 ንምትግባሩ ዝተተለመን መደብ ሩዋንዳ ክስረዝ ጸዊዖም ኣለዉ።

በቲ ሓደ ወገን እተን ሃገራት ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካል ፍልሰትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ክሕሉ ምዃኑ እኳ እንተገለጻ፡ ኮሚቴ ስደተኛታት ኣመሪካ ግን ነዚ ኣብ ዓለም ዝስፋሕፍሕ ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ብቀረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ‘ሎ።