ቐጠር ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ ዝያዳ ከይጋደድ ንምክልኻል፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታታ ተሐይል ከም ዘላ፡ ሎሚ 24 ሕዳር ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጀድ ኣል-ኣንሳሪ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ህድኣት ክመርጻን ናብ ዘተ ክኣትዋን ጸዊዑ።

ቀጻሊ ወተሃደራዊ ምንህሃር ብዘተ ዝመጽእ ፍታሕ ዝያዳ ከቢድ ከም ዝገብሮ ድማ ኣጠንቂቑ።

ኣል-ኣንሳሪ፡ ቐጠር ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ወሽመጥ ብምውህሃድ ሓባራዊ ዞባዊ መርገጺ ንምሓዝን፡ ነቲ ብቐጠር ዝምራሕ ሽምግልና ደገፍ ንምርካብን ትሰርሕ ከምዘላ ኣስሚሩሉ።

ጎድኒ ጎድኒ እዚ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ቐጠር ሼኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣል-ታኒ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄ.ዲ. ቫንስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ከም ዝተራኸበ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እቲ ዘተ ወጥሪ ንምህዳእ፥ ናጽነት መስመራት ባሕሪ ንምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ንሰላም መገዲ ንምጽራግ ዘተኮረ ምንባሩ ተገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንጐኛታት ቐጠር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ቴህራን ገይሾም ምስ ሰበ-ስልጣን ኢራን ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።

መስርሕ ሽምግልና ቐጠር ዝመጽእ ዘሎ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ ለካቲት 2026 ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ ዝተጀመረ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ዝገበረቶ እገዳ ባሕርን፡ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታትን እቲ ወጥሪ ብርቱዕ ኮይኑ ቀጺሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።