ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣአንጊዳቶ ኣብ ዘላ ዋዕላ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሪቃ 2026፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንስርዓተ ጥዕናአን ዝኸውን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ባዕለን ክቆጻጸራን ኣብ ውሽጣዊ ሃብተ-ገነተን ክምርኮሳን ጸዊዑ።

ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣፍሪቃ ንስርዓተ ጥዕናኣ ንምድጋፍ ዝኣክል ሃብተ-ገነት ከምዘለዋ፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብን ክፍሊት ኣገልግሎት ዕዳን፡ ካብቲ ብሓገዝ እትረኽቦ ገንዘብ ንላዕሊ ከምእትስእን ገሊጹ።

እዚ ኩነታት ክቕየር ከምዘለዎ ዝገለጹ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንፋይናንስ ስርዓተ ጥዕናአን ኣብ ውሽጣዊ ምንጭታት ገንዘብ ክምርኮሳ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጻውዒት፡ ኣፍሪቃ ኣብ ምምዕባል ስርዓተ ጥዕናኣ ዘለዋ ዓቕሚ ብዝሓሸ ክትጥቀመሉን ካብ ደገ ዝመጽእ ሓገዝ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ክትንክን ዘተባብዕ ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።