ሩስያ ፡ ካብ ትማሊ ሓሙስ 19 ሕዳር ክሳዕ፡ ሎሚ ዓርቢ ንግሆ ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ኣብ ዘካየደቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርትን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲታትን ድልድላትን ከቢድ ዕንወት ከም ዘውረደት፡ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ይሕብር።

በዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከቡ ኤምባሲታት ሆላንድን ኦስትርያን ከምኡ’ውን ታሪኻዊት ካቴድራል ቅዱስ ቮሎዲሚር ጉድኣት በጺሕዎም ምህላዉ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሩባ ድኒፕሮ ዝርከቡ ኣገደስቲ ድልድላት ብምህሳዮም መጓዓዝያ ትራፊክ ተዓጽዩ፡ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ‘ውን ኣብ ገለ ክፋል እታ ከተማ ተቛሪጹ ይርከብ።

ብውሑዱ 6 ሰባት ዝሞቱሉን 15 ዝቖሰሉሉን እዚ መጥቃዕቲ፡ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ድልድል ክሪምያ ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ምዝራባ ስዒቡ ዝተኻየደ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲታት ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሓያል ቁጥዕኡ ከምዝገለጸ እቲ ጸብጻብ የመልክት።