ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ከባብታት ትግራይ ግጭት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ዝኾነ እዋን ክቀያየር ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ ዜጋታቱ ናብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብፍጹም ከይገሹ ሎሚ 20 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽኦ ዳግማይ መጠንቀቕታ ኣተሓሳሲቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዳግማይ ክሓስቡሉ ብምዝኽኻር፤ ብፍላይ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዓፋርን ከም ላሊበላ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኣምሓራን ሓዊሱ ናብ ሰለስቲኤን ክልላት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ከይንቀሳቐሱ ብጽኑዕ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ድማ፡ ኩነታት ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ካብቲ ቦታ ክወጹ እቲ ኤምባሲ ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምቁራጽ ካብ 17 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽረ ስሩዕ በረራታት ምጅማሩ እቲ ኤምባሲ ኣረጋጊጹ። ይኹን እምበር፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ዝግበር በረራ ገና ተቋሪጹ ይርከብ፤ ተጓዓዝቲ ድማ ትኬት ንምቑራጽን እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብን ብቀጥታ ምስቲ መንገዲ ኣየር ክራኸቡ ተሓቢሩዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ይዝርጋሕ ስለዘሎ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ። ስለዝኾነ ድማ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ዝኾነ ሓበሬታ ቅድሚ ምእማኖም ካብ ብዙሓትን እሙናትን ምንጭታት ከረጋግጹን ውልቃዊ መደባት ድሕነቶም ክግምግሙን ምዒዱ።

እዚ መጠንቀቕታ ወጺኡ ዘሎ፡ ኣብ ባድመን ከባቢኡን ውግእ ምጅማሩ ስዒቡ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።