“ፈላሚ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቕስቓስ ይኣክል፡
እምነ- ኩርናዕ ንዉሑስ ለውጢ”
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ዕለት 31 ሓምለ 2021 ክሳብ 01 ነሓሰ 2021 “ሳቮያ ንድሕነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ገስጋሲ ቴማ ፈላሚ ጉባኤኡ ከካይድ’ዩ ።
10 ሃገራት ዝሓቖፈ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ይኣክል ድሕሪ ብዙሕ ሓባራዊ ጻዕሪን ፡ ዘድሊ ምቅርራብን ፡ ነዚ መስራቲ ጉባኤኡ ንምቅናዕ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ’ሎ ። እዚ ፈላሚ ጉባኤ ንዝበረኸ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሰጋግሮ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ ተገንዚቡ ፡ ህዝቢ ኣብዚ ጉባኤን ኪንኖ ጉባኤን ኣብ ዝህሉ ንጡፍ ገስጋሲ ቃልሲን ሱታፊኡን ከሐይልን ከበርኽን መጸዋዕታኡ ብኣኽብሮት የቕርብ !
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ህዝባውነት ፡ ጽምዶ ፡ ሓደ ጸላኢ !
ንሓርነት ብሓድነት፡
ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል