ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ማን-ዩናይትድ ሉዊስ ቫን-ሃል፡ ብሕማም “prostate Cancer” ይሽገር ከምዘሎን፡ ሕክምና ይከታተል ምህላዉን ንሆላንዳዊት ተለቪዥን ‘ሃምቤርቶ’  ሓቢሩ። 

ወዲ 70 ዓመት ቫን ጋል፡  ንኣባላት ናይታ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘሰልጥና ዘሎ ሃገራዊ ጋንታ ሆላንድ ሕማሙ ሓቢእሎም ምጽንሑ እዉን ገሊጹ።

“ክነግሮም ኣይደለኹን ፡ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኢንተርናሽናል ግጥምና ክጸልወና ስልዝኽል” ዝበለ ቫን-ሃል፡ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከሰልጥና ካብዝጅምር ፡ ዝኾነ ተጻዋታይ እታ ጋንታ ከይፈለጠ ዕለታዊ ምሸት ምሸት ናብ ሕክምና ይኸይድ ምንባሩ ይዛረብ። 

ሉዊስ ቫን-ሃል፡ ንሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ፡ ኣብ ናይ 2014 ዋንጫ ዓለም ሳልሳይ  ደረጃ ክትሕዝ ኣብቂዕዋ ምንባሩ ይዝከር።