ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ልዕሊ 90 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ብ2 ሚያዝያ ሓቢሩ።
በቲ ቦታ ሓደጋ ትሓልፍ ብዝነበረት መርከብ ብህይወት ዝደሓኑ 4 ስደተኛታት ድሒሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ፣ ኣብ’ታ ዝጠሓለት ጃልባ ምስ ኣስታት 100 መሳድድቶም ይጓዕዙ ምንባሮም ይዛረቡ ።
እታ ጃልባ ኣበየናይ ዕለት ሓደጋ ከምዘጋጠማ ዘረድእ ንጹር ሓበሬታ ዛጊት ኣይተረኽበን።
ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ህይወት ናይ ኣስታት 300 ስደተኛታት ጠፊኡ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣህጉራዊ ዉድብ ስደተኛታት ማለት IOM፣ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ – ልዕሊ 3,000 ካልኦት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ከምእተመልሱ የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ዉን፣ ብዉሑድ 1,553 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ልዕሊ 32,000 ካልኦት ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምእተመልሱን ሰነዳት እቲ ዉድብ ይሕብር።
ኤውሮጳዊ ሕበረት ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምቊራጽ ኣቢዩ ዘሎ ሓደጋታት ጀላቡን ሞት ስደተኛታትን ነባሪ ፍታሕ ኸናድየሉ ሓያለ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ስደተኛታት ይጽዉዓ እኳ ኣንተሃለዋ ፣ ዛጊት ዝተረኸበ ፍረ የለን።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ብማእከላይ ባሕሪ ንዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ፣ ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ቱኒዝያን ግብጽን ኩሉዓይነታዊ ሓገዛት የበርኽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ሰጋሮ ስደተኛታት ተረርቲ ስጒምትታት ከተግብር በቲ ሕብረት ገዚፍ ፖለቲካዊን ሎጂስቲካዊን ደገፍ ይረጋገጸሉ ከምዘሎ ይሕበር።
ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማእከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም፡ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ ጠሪዑ እዩ።