ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን ብሓባር ዘማእዝንዎ ሃገራዊ ሰራዊት ንምምስራት ኣብ ዘኽእል መዳይ ዝርርብ ኪጅምሩ ድሕሪ ምስምማዖም፣ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዝጸንሐ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም’ታ ሃገር ትንፋስ ሰዂዑ ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ካብ 2013 ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድ ዘወግድ ስምምዕ ሰላም ኣብ 2018 ከቲሞም ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንኣተገባብራ ኣቲ ስምምዕ ብሓፈሻ ንምቕርሐ ስልጣን ድማ ብፍላይ  ብዝምልከት ኣብ ቀጻሊ ዘይምስምማዕ እዩም ጸኒሖም።

ሓይልታት ሬክ ማቻር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ቀጻሊ ተጻብኦታትን ዕብለላን ይጎንፈና ኣሎ ብምባል ካብ’ቲ ስምምዕ ሰላም ከርሕቚ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ጎንጽታት ክዛይድ ከምእተራእየ ይግለጽ።

ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን ብ3 ሚያዝያ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ እምበኣር፣ ብነጥብታት ምዉጋድ ተጻብኦ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ኪቕየዱን ፡ ሓይልታቶም ኣላፊኖም ብሓባር ዝእዝዝዎ ሃገራዊ ሰራዊት ከቕሙን ዘኽእል’ዩ ።

ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድ እታ ሃገር፡ ህይወት ኣስታት 400,000 ሰባት ዝወሰደን ክሳብ ሕጂ ጽልዋኡ ዘይሃሰሰ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ዘኸተለን እዩ።

ኣዉሓስቲ ስምምዕ ሰላም 2018 ዝኾና ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኖርወይን ነቲ ኣብ ሓደጋ ኪኣቱ ዝረኣየኦ ስምምዕ ንምድሓን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ጸቕጥታት ከዛይዳ እየን ጸኒሐን።