ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ናይ ደባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሽግር ምህላዎም ተሓቢሩ። ነባሪ እቲ ሓድሽ መዓስከር ዝኾነ ኤርትራዊ ምስ ተለቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፣ ነበርቲ ዳባት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽለኣት ኣሕዲሮም ከምዘለዉ የረድእ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንመሬት እቲ ሓድሽ መዓስከር ኪካረዮ እንከሎ፣ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ መብጸዓታት ኣትዩ ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ኤርትራዊ፣ መብጸዓታት ዘይተማልኣሎም ነበርቲ ዳባት ድማ ቊጣዐኦም ንስደተኛታት ከርእዩ ምጅማሮም ይሕብር።

እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዝኣተዎ መብጸዓ፣ ዝኾነ ናብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ዝኣቱ ኤርትራ ስደተኛ ኣብ ዉሽጢ እቲ መዓስከርን ከተማ ዳባትን ኣብ ንግዲ ከምዘይነጥፍ፣ ዝኾነ ዓይነት ትካል ከዉጽእ ድማ ከምዘይፍቀዶ ዝብል’ዩ ነይሩ። ነበርቲ ዳባት ካብ’ቲ ናብ ከባቢኦም ኪኣቱ ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛት ንምርባሕ ድማ ፡ ዘለዎም ንብረትን ጥሪትን ሸይጦም ድኳናትን ናይ መዘናግዒ ትካላትን ከዉጽኡ እዮም ጸኒሖም።

ዝድለ ብዝሒ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ብዘይምእታዉ ዝቑጣዕ ዘሎ ህዝቢ ደባት እምበኣር፡  ኣብ’ቲ መዓስከር ንዝረኸብዎ ኤርትራዊ ስደተኛ ክጻብኡን ኪፈታተኑን ምጽናሖም እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

ናብ ዉሽጢ’ቲ መዓስከር ብቐጻሊ ዝኣትዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዘለዉ ወሲኹ ዘረድአ እቲ ኤርትራዊ፣ ቅድሚ እቲ ን8 ኤርትራዉያን ኣቚሲሉ ዘሎ ናይ 2 ሚያዝያ ሓደጋ፣ ሓሓሊፉ ጎንጽታት ክርአ ምጽንሑ ሓቢሩ ኣሎ።

ነቲ ናይ 2 ሚያዝይ ብረታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ካብ ከተማ ደባት ኣብ መኪና ተጻዒኖም ዝመጽኡ ምንባሮም ፣ ኣባላት ናይቲ ኣንጻር መንግስቲ ዝጓነጽ ናይ ተወለድቲ ቅምንት ዕጡቕ ጉጅለ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ከምዘሎ እዉን እቲ ኤርትራዊ ዝዛረብ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ፣ ናብቲ መዓስከር ዝበጽሐ ሰራሕተኛ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ፋጻመ እኹል ርድኢት ሒዙ ኣንዳሃለወ ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘየምጽኡ ሰለስተ ኣምራጺታት ነቶም ስደተኛታት ኣቕሪቡ እዩ ከይዱ። እቶም ኣማራጺታት ፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፣ ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ኪሓቱ ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራ ናብ ካልእ ሃገር ንኽግዕዙ ጠለብ ከቕርቡ ዝብሉ ኣማራጺታት ።

ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ድሕሪ’ቲ ናይ 2 ሚያዝያ ሓደጋ ፣ ኣብቲ መዓስከር ክጸንሑ ከምዘይደልዩ ብዓዉታ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን እዉን ብኣባላት ሓለዋ እቲ መዓስከር መግረፍቲ ከምዝሰዓቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ መዓስከር ኣለማዋጭ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕሱም ከምዘሎ፣ ነቲ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ምክያድ ሓልፍነት ዘለዎም ኩሎም ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ፣ ሰብኣዊ ድሕነት ስደተኛታት እቲ መዓስከር ኣብ ምርግጋጽ ደኺሙ ምህላዉ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።