ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 4 ኣዋርሕ ጥራይ 4,461 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምእተመልሱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዉድብ፣ ካብቶም ዝተመልሱ 3,876 ደቂተባዕትዮ፡ 410 ደቂኣንስትዮ ዝተረፉ 175 ድማ ትሕቲ ዕድመ ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ህይወትን ደሃይን ናይ 550 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ምህላዉ ዘተሓሳሰበ እቲ ዉድብ ፡ እዛ ዓመት ከይተፋረቐት ልዕሊ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2021 ዝተመዝገበ ብዝሒ ሞትን መስወርቲን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ 2021 ፡ ህይወትን ደሃይን ኣስታት 1550 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ከባቢ ከምዝጠፍአ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 32,425 ስደተኛታት ብኣህዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ከምእተመልሱ ዝገልጽ እቲ ዉድብ፣ ምስ ዝሕይል ዘሎ ወፈራታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዋሕዚ ስደተኛታት በቲ መስመር ጎዲሉ እንዳተባህለ ፣ ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዛ ኣቲናያ ዘለና ዓመት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተመሊሶም ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ዋሕዚ ኣመና ከምዘይጎደለ ዘረጋግጽ ምዃኑ ይሕብር።

ኤውሮጳ ንምብጻሕ ብመንገዲ ማያት ማእከላይ ባሕሪን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስን ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2021 ብዘይፍለ ናህሪ ይምዝገብ ምህላዉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ዓመተ 2021 ህይወት ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ኣብ’ቶም ማያዉያን መስመራት ምጥፋኡ ዘረድእ እቲ ጸብጻብ ፣ ነቲ ኣብ 2019ን 2020ን ዝተመዝገበ መጠን ሞት ብምግምጋም፡ እቲ ኣሃዝ ዓመታዊ ይዛይድ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።