ሓሙሻይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ሎሚ 23 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተኸፊቱ።
እቲ ካብ 23 ክሳዕ 27 ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዋዕላ፥ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃን ብሓባር ዝተዳለወ ኮይኑ፡ መራሕቲ መንግስታት፥ ሚኒስተራት ጥዕና፥ ሰብ ሞያ ሕክምና፥ ተመራመርትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሱታፌ እናገበሩ ይርከቡ።
እቲ ዋዕላ፡ ካብ ጽግዕተኛነትን ተቓላዕነትን ናብ ዋንነትን ተጻዋርነትን፥ ድሕነትን ልኡላውነትን ጥዕና ኣፍሪቃ ብዝብል ቴማ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ስርዓተ ጥዕናኣ ዘለዋ ካብ ጽግዕተኝነት ሓገዝ ወጻኢ ንምንካይን ባዕላዊ ዓቕሚ ንምሕያልን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከተኩር’ዩ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ካብ 40 ሽሕ ንላዕሊ ተሳተፍቲ ክሳተፉ ዝተመዝገቡሉ ክዀኑ ከሎዉ፡ ዘላቒ ምወላ ጥዕና፥ ኣፍሪቃዊ ምፍራይ መድሃኒታትን ክታበታትን፥ ዲጂታላዊ ጥዕና፥ ምድላው ንለበዳታትን ምሕያል ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ጉዳያት ኣተኩሩ ክዝቲ’ዩ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣፍሪቃ ክሳዕ 2040፡ ካብ ዘድልያ ክታበታት 60 ሚእታዊት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍራይ ዘለዋ ሸቶ እውን ካብቶም ቀንዲ ኣጀንዳታት እቲ ዋዕላ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ዋዕላ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ጥዕናኣ ዝያዳ ብባዕላዊ ዓቕምን ምሉእ ተቖጻጻርነትን ንኽትሃንጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ መድረኽ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።



