ምስ’ቲ ናብ ትግራይ ዘምርሕ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ዉጉዝ ንብረትን ልዕሊ ዓቐን ነዳዲን ክጸዓን ይርአ ብምህላዉ፡ ተሪር ምቊጽጻር ኽግበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ በዓል ስልጣን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ዓፋር ረድኤት ንዝዋፈረሉ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ  እዩ ነቲ መተሓሳሰቢ ሂቡ።

ትካላት ረዲኤት ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ እጉዳት ንብረታት ምስ መግቢን መድሃኒትን ኣላፊነን የግዕዛ ምህላወን ዝወቐሰ ኣቶ ደመቀ ፣ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ መጠን ነዳዲ እዉን ካብ’ቲ ፍቑድ ዓቐን ንላዕሊ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ተዛሪቡ።

ነቲ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዘብል ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝከታተላ ነቚጣታት ግምሩክ ፣ ንዝሓልፍ ዘሎ ረዲኤት ብግቡእ ኪቈጻጸራ ዘኽእለን ዓቕሚ ክድረዓለን ከምዝግባእ ዘገንዘበ ኣቶ ደመቀ፣ ብፍላይ ኣብ’ቶም ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ መሳለጢታት ልዑል ምክትታል ኽግበር ጸዊዑ ኣሎ።

ቤት-ጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ናብ ትግራይ ከብል ተፈቒዱ ዘሎ መጠን ነዳዲ፡ ንዝኣቱ ዘሎ መግቢን መድሃኒትን ናብ ተጸበይቱ ንኽባጻሕ ዘኽእል ከምዘይኮነ እዩ ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ።

መግለጺ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳዕ ክንደይ ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምሕላዉ ሚዛን ሓይሊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ዝብሉ ጸብጻባት፣ እቲ ክሲ ናብ’ተን ሰብኣዊ ረዲኤት ዘባጽሓ ዘለዋ ትካላት ዘነጻጸረ ብምዃኑ ፣ እቲ ናብ ትግራይ “ገና ብዉሑድ ዓቀን እዩ ዝኣቱ ዘሎ” ዝበሃለሉ ሰባኣዊ ረዲኤት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ሓይልታት ክልል ትግራይ ነቲ ናብ ክልሎም ዝኣቱ ረዲኤት ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም ብምዉዓል መመወሊ ግዱድ ዕስክርና ይገብርዎን ፣ ብመንገዲ ሃብታማት ነጋዶ ይሸጥዎን ከምዘለዉ ዝኽስስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ነቲ ናብ ትግራይ ዝኸይድ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽቆጻሮን ንኽቚጥቦን ይግደድ ምህላዉ እዩ ዘመኽኒ።

ሓይልታት ትግራይ እዉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንከባቢ 20 ኣዋርሕ ኣዊጅዎ ዘሎ ዕጽዋ ከየዝለቐ ብቚንጣሮ ረዲኤት የዳኽመና ኣሎ ብምባል ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ብእኹል ዓቕን እንተዘይኣትዩን ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋ ኣንተዘይዘሊቚን ወተሃደራዊ ኣማራጺ ሃሰዉ ክብሉ ምዃኖም ካብ ምጥንቃቕ ኣየዕረፉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ካብ ዝእዉጅ ሰለስተ ኣዋርሕ ተሓሊፉ ኣንዳሃለፈ ፣ ዛጊት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ እየን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብራ።