ቤት-ፍርዲ ሎስኣንጀለስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ንቀታሊ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ስነጥበበኛ ራፕ ኤርምያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል) ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ተገሊጹ።
እቲ ኤሪክ ሆልደር ዝተባህለ ወዲ 32 ዓመት ቀታሊ ፣ ንኒፕሲ ሃስል ናይ ቁልዕነት መተዓብይቱን ጎረቤቱን ኮይኑ ፣ በቲ ኣብ ልዕሊ ኒፕሲ ዝወሰዶ ብረታዊ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ ክልተ ካልኦት ብምንባሮም እዉን ፡ ብተወሳኺ ብፈተነ ቅትለት ክልተ ሰባት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
እቲ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ቀታሊ፣ ተረኺብሉ ዘሎ ገበን ንሕልፈት ከፍርዶ ከምዝኽእል እዩ ብብዙሓት ወገናት ዝግመት።
ኣብ 2019 ኣብ ኣፍደገ ናይ’ቲ ዝዉንኖ ዘ ማራቶን ዝጽዋዕ ዱኳኑ ብጥይት ዝተቐትለ ኒፕሲ ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ራፕ ዓብላልነትን ስምን እንዳሓዙ ዝመጽኡ ዝነበሩ ስነጥበበኛታት እዩ።
ኣብ ዝዓበየሉ ከባቢ ብድኽነት ንዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝን ምልማዕን ኣብነታዊ ስራሕ ይዓምም ምንባሩ ዝንገረሉ እቲ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ፣ ሞቱ ንመላእ ህዝቢ ሎንሳንገለስን ምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካን ዘሰንበደ ኮይኑ፣ ኣብ ስነስረዓት ቀብሩ ስሙያት ዉልቀሰባት ዝርከብዎም ዓሰረታት ኣሽሓት ሰባት ከምእተረኽቡ ይዝከር።