ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ስልጣኑ ክሓድግ ምዃኑ ብ7 ሓምለ ብወግዒ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ’ቲ ዉሳኔ ዝበጽሐ፡ ናይ ተኣማንነት ድጋፍ ልዕሊ 50 ሚኒስተራቱ ድሕሪ ምስእኑን፡ ዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ዓቃባዉያን ካብ ስልጣን ከርሕቕ ስለዝጸውዑን እዩ።
ዝዉክላ ሰልፊ ደጊም ከምዘይትደልዮ ስለዝተነጸረ ስልጣን ኪሓድግ ግድን ከምዝኾነ ዝገለጸ ቦሪስ ጆንሰን፡ እታ ሰልፊ ንዕኡ ዝትክእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ትምዝዝ ጥራይ ኣብ ቦታ ስራሑ ክጸንሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።
እዚ ክሳብ ዝኸዉን ፡ ስርሓት መንግስቲ ከይባዄር ዝነጥፍ ግዝያዊ ካቢኔ መዚዙ ምህላዉ እዉን ገሊጹ።
ብዙሓት ኣባላት ሰልፉ ግን፡ ስልጣን ሻቡ ክሓድግን ግዝያዊ መዝነት ንምክልትሉ ዝኾነ ዶሚኒክ ራኣብ ከረክብን እዩም ዝጽውዑ ዘለዉ።
ኣባላት ተቐናቓኒ ሰልፊ ዕዮ እዉን ፡ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ዓቃባዉያን ንቦሪስ ጆንሶን ብቕልጡፍ እንተዘይኣርሒቑዎ፡ ኣብ ልዕሊ እዋናዊ ፓርላማ እታ ሃገር ናይ ዘይተኣማንነት ክሲ ከለዓዕሉ ምዃኖም እዮም ዘጠንቅቚ ዘለዉ።
ምእላይ ቦሪስ ጆንሶን ካብ ስልጣን፡ ቊጠባዊ ቊመና ብሪጣንያ ኣብ ሰንኮፍ ወዲቑ ፡ ብሰንኪ ዓለማዊ ለብዒን ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን፡ እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምስ ዝደሓራ ሓያላን ሃገራት ከይትስራዕ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጽንሐ ቦሪስ፡ ኣብ ምኩዋን ብሬክዚት፡ ምሕደራ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ቊጠባን ጥዕናን፡ ኣብ ምጽላዉ ዉሽጠ-ዝምድናታት ሰልፊ ዓቃባዉያንን ካልእን ሓያለ ጌጋታት ክፍጽም ጸኒሑ እንዳተባህለ ኣብ ሰልፉን ህዝቢ እታ ሃገርን ዝነበሮ ተቐባልነት ኪጎድል ምጽንሑ ይፍለጥ።