ኣብ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ተጻጊሞም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ምንጭታት ካብ’ቲ መዓስከር ሓቢሮም።

ቀረባዊን ጸጥታዊን ድሕነት እቶም ስደተኛታት ብምሉእ ካብ ዘይረጋገጽ ነዊሕ ኮይኑ ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፡ ምስ ምእታዉ ክራማት ሓያለ ስደተኛታት ንቊርን ኣስሓይታን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ምንቅስቓሳቶም ተደሪቱ፡ ካብቲ መዓስከር ወጽዮም ናብ ማእከል ከተማ ዳባትን ካልኦት ከተማታት ክልል ኣምሓራን ብጽሕ ኢሎም፡ ካብ ቤተሰቦም ንዝለኣኽ ገንዘብ ከይቅበሉን ዘድልዮም ነገራት ከይሽምቱን ተኸልኪሎም ምህላዎም ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ከቢድ ጸጥታዊ ብድሆ ገጢምዎም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ዝሓለፈ ወርሒ  ሚያዝያ መንነቶም ዛጊት ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ዉሽጢ እቲ መዓስከር ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብዉሑዱ 8 ኤርትራዉያን ምቚሳሎም ኣይርሳዕን።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ዉን ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA፡ ኣብ ምርግጋጽ እኹል ሰብኣዊ ቀረብ እቲ መዓስከር ከምቲ ዝድለ ይሰርሑ ከምዘየለዉ እዩ ዝንገር።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡  ካብ’ተን ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተበታቲኖም ናብ ከባቢታት ጎንደር ንዝወሓዙን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ንዘለዉን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምዕቋብ ነቲ ሓድሽ መዓስከር ከምዝሃነጸ ይዝከር።

ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ቀንዲ ተጸለዉቲ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዘሎ ጸጥታዊን ሰብኣዊን ቅልውላዋት ኮይኖም ምህላዎምን ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዘለዉ ኤርትራዉያን ኩነታቶም ዕቱብ ኣቓልቦ ይረክብ ከምዘየለ፡ UNHCRን ARRAን እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ግቡኦም ይገብሩ ከምዘየለዉን ብቐጻሊ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።