ፕረዚደደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፣ ሃገሩ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ንግዳዊ ዝምድና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምድያቡ ዘኽእል ዉዕል ተግባራዊ ከምዝኸዉን ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ክካየድ ዝቐነ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ-ኣመሪካ ፣ ምስ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተረኺቡ ነቲ ዉዕል ወግዓዊ ዝገበረ ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቊጠባዊ ዝምድና ኣመና ክዝሕትል ምጽንሑ ጠቒሱ፣ ደጊም ሃገሩ ኣብ መጻኢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምሉእ ዓቕማ ክትሳተፍ ተበጊሳ ምህላዋ እዩ ኣረዲኡ።
እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ኣብ መደርኡ፣ እቲ ውዕል – ንኩባንያታት ሃገሩ ኣብ ዞባ ነጻ ዕዳጋታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ክሳተፉ መንገዲ ዝጸርግን ን1.3 ቢልዮን ካብ ዝህዝባ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክረብሑ ዘኽልን ከምዝኾነ ብምጥቃስ ፡ ነቲ ዉዕል ተቐቢለን ንወፍሪ ቅሩባት ናይ ዘለዋ ከም ጀነራል ኤለክትሪክ ካምፓኒ፣ ሲስኮ ሲስተም ኢንኮርፖሬሽንን ካልኦትን ኣስማት ኩባንያታት ኣመሪካ ዘርዚሩ።
እቲ ዋዕላ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2014 ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተኣንገደ ተመሳሳሊ ርክብ ንፈለማ ዝቃናዕ ዘሎ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ባይደን ሃገሩ ንዉሕስነት መግቢ፡ ምሕደራ ክሊማዊ ለዉጢ፣ ንግዳዊ ሽርክነትን ካልእን ዝበሉ መደባት ንምዕማም ዝዉዕል 55 ቢልዮን ዶላር ንኣህጉር ኣፍሪቃ ክትቕርብ ምዃና ተማሕጺኑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ድሕሪ እዚ ዋዕላ ፣ ፕረዚደንት ባይደን ንምጽንባር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ቀዋሚ ኣባልነት ጉጅለ-20 እዉን ደገፉ ሂቡ ኣሎ።
ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ቊጠባዊን ንግዳዊን ዝምድና ብቻይና ኽዕብለል ምጽንሑ እትኣምን ኣመሪካ፣ እዚ ሕጂ ምስታ ኣህጉር ከተዛይዶ መሪጻ ዘላ ዝምድና ካበይ ከምዝነቅል ድሮ ርጉጽ እዩ። ንግዳዊ ምልዉዋጥ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ 2021 ከባቢ 64 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣብ’ቲ ዓመት ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ንግዳዊ ምልዉዋጥ ግን ካብቲ ናይ ኣመሪካ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ማለት 254 ቢልዮን ዶላር ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ትሑት ዝወለዱ ልቓሕ ብምቕራብ ኣብ ዕዳጋታትን፡ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺን ብመሪሕነት ትዋሳእ ዘላ ኮይና፣ ብፍላይ ብመንገዲ እቶም ትሑት ዝወለዶም ልቓሓት ኣብ ቊጠባን ፖለቲካዊ ዉሳኔታትን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ክትዉንን ክኢላ ምህላዋ ይፍለጥ።
እዚ ጽልዋ እዚ ፣ ነታ ንኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ከም ምንጪ ጥረ ባህርያዊ ጸጋታት ጥራይ ኪትወስዳ ዝጸንሐት ኣመሪካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትስግን ፣ ኪንዮ ንግዳዊ ስምምዓት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ወፍርታት ከተዛይድን ይድርኻ ከምዘሎ እዮም ተንተንቲ ቊጠባ ዘረድኡ።
ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ክትክተሎ ኣብ ዝጸንሐት ንግዳዊ ኣማራጺታት ንወፍሪ ዘይዕድሙ ኮይኖም ምጽንሑ ኣብ ምጅማር እቲ ዋዕላ ዝገለጸት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ካትሪን ታይ እዉን፣ ሃገራ ነዚ ንምዕራይ ክትሰርሕ መሪጻ ከምዘላ እያ ሓቢራ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉዕይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሕስሙ ይቕጽል ብምላዉ ፣ ኤርትራ ኣብቲ ዝቐነየ ዋዕላ ክትሳተፍ ከምዝይትኽል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይዝከር።
ኣመሪካ ፣ ነተን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘየረጋገጻ ምዕራብ ሳሃራን ሶማሊ ላንድን ሓዊስካ፣ ኤርትራ፡ ሱዳን ፡ ጊኒ፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብቲ ዋዕላ ካብ ምስታፍ ምኽልካላ እያ ገሊጻ።
ኣብቲ ዋዕላ ከይሳተፋ ዝተኣገዳ ሃገራት ብመሰረቱ ኣብ ምርግጋጽ ደሞክራስያዊ ሃዋህዉን ምዉሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ርኡይ ሃጓፋት ዘመዝግባ ዘለዋ እየን።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሕጂ’ዉን ንኤርትራ ምስተን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝመዝገበለን 12 ኣሰከፍቲ ሃገራት ጸንቢርዋ ምህላዉ ኣይርሳዕን ። ኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ፣ ኩባ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ኒካራጓ፡ ፓኪስታን፡ ስዑዲዓረብ፡ ታጃኪስታን፡ ሩስያ ፡ በርማን ቱርኪምኒስታንን ኣብ’ቲ ዝርዝር ሰፊራ ዘላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።