ኣብ ርእሰ ከተማ ሕብረት ኤውሮጳ ብራስለስ፡ ኣስታት 3000 ዝግመቱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ገዛ ዘይብሎም ግዳም ሓደር ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ ።
ኣብ ማእከል ከተማ ብራስለስ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ቴንዳታት ሰሪሖም ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ዝነብሩ ዘለዉ ስደተኛታት ሓተትቲ ዑቅባን ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርከተ ይመጽእ ከም ዘሎ ኤጀንሲ ፕረስ ገሊጹ ።
እዞም ኣብ ጎደናታት ናይታ ከተማ ዝቅመጡ ዘለዉ ስደተኛታት ብዘይ እኹል ዝኾነ መሳለጥያ ይነብሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩነታቶም ድማ ብምንግስቲ በልጁም ዕቱብ ቆላሕታ ብዘይ ምርካቡ ኩነታቶም ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝኸፈኤ የምርሕ ከም ዘሎ ንኤጀንሲ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም ።
እዞም መብዛሕትኦም ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ኤስያን ዝመጹ እዞም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ወሰናስን ናይታ ከተማ ተደኩኑ ካብ ዝርከብ ናይ ስደተኛታት ካምታት ዝመጹ ኮይኖም ጉዳያቶም በቲ ምንግስቲ ዕቱብ ኣቃልቦ ስኢኑ ንዓመታት ኣብ ካምፕ ምጽናሕ ኣመና ከምዝመረሮም ንምግላጽ ኣብ ጽርግያታት ከተማ ብራስለስ ምንባር ከም ዝመረጹ ዝሕብሩ ዘለዉ።
ንጉዳይ እቶም ስደተኛታት ዘጽንዕ ዘሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት እቶም ስደተኛታት ብቁልጡፍ ናብ ካምታቶም ክምለሱን ጉዳያቶም ድማ ኣብቲ ካምፕ ክከታተሉን ተማሕጺኑ ኣሎ ።
ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ’ዚ ግዜዚ ዓቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ሓደ ዓቢ ዘይፍታሕ ግድል ኮይንዎ ከምዘሎ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ።