ኣብ ክልል ኣምሓራ መዓስከር ስደተኛታት ኣፍጥጥ ዝነብር ዝነበረ ሄኖክ ባህልቢ ሰሎሞን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተተኰሰሉ ጥይት ከም ዝተቐትለ፡ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ብ22 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። እዚ ቅትለት ‘ዚ፡ ብ19 ሕዳር 2026 ከም ዝተፈጸመ፡ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።
እቲ 33 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ ከተማ ሸዲ ናብ ዝነበረ እንዳ ሓዘን በጺሑ ናብ መዓስከሩ እናተመልሰ ከሎ ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሱ፡ ኣብ ጥቓ መዓስከር ኣፍጥጥ “ገንዳ ውሃ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ብዕጡቓት ሸፋቱ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብኽልተ ጥይት ተሃሪሙ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ።
ሄኖክ ባህልቢ ሰሎሞን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምህዳሙ፡ መጀመርታ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት መተማ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ መዓስከር ኩመር ይነብር ነይሩ።
እንተኾነ፡ መዓስከር ኩመር ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ዝነበረ ቅትለትን ጭውያን ምስ ተዓጽወ፡ ከም’ቶም ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ናብ’ቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሸዲ ዝርከብ መዓስከር ኣፍጥጥ ግዒዙ ይነብር ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ስእነት ጸጥታን፡ ኣብ መዓስከራት ኣለም-ዋጭን ኣፍጥጥን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሓደጋ ቅትለት፣ ጭውያን ዘረፋን ይቃልዑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ እዩ ዝግለጽ። እዚ ድማ፡ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኵነታት ወዲቑ ከም ዘሎ ዘጉልሕ ‘ዩ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ ቅትለትን ጭውያን ደው ንምባል፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብቕልጡፍን ብተግባርን ክንቀሳቐስ ጸዊዑ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ቀጠና ኲናት ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንኽግዕዙ ዝምልከቶም ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ተላብዩ።






