ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ብ ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ በረኸት ስምኦን ብኣመክሮ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።

ድሕሪ ምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2019 ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣቶ በረኸት ፡ ማእሰርቱ ንኽዉድእ ክልተ ዓመት ምስተረፎ እዩ ዝፍታሕ ዘሎ።

ጠበቓ ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ክልላዊ ሕጊ ኣምሓራ ፡ ኣቶ በረኸት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብኣመክሮ ኪፍታሕ እኳ እንተነበሮ፣ እቲ መሰል ተኸሊኡ ምጽንሑ እዩ ዘረድእ።

ኣቶ በረኸት ኣብ ስልጣን እንከሎ ብመንገዲ እቲ ባዕሉ ዝመስረቶ ካብ ኣባል ስልፍታት ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ ዝነበረ ብሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ዝጽዋዕ ፖለቲካዊ ሰልፊን ካልኦት ናይ ንግዲ ማሕበራትን ኣጠፋፊእዎ ዝተባህለ ልዑል መጠን ገንዘብ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ምስ ሓላፊ’ቲ “ጥረት” ብዝብል ስም ዝጥቀስ ሓያለ ፋብሪካታት ዘመሕድር ኮርፖሬሽን ዝነበረ ታደሰ ካሳ ብሓባር ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ኣጠፋፊኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣይርሳዕን።

ብዝተኸሰሶ ገበን ን6 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርደ ኣቶ በረኸት ፡ መቕጻዕቱ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክቕበል ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ብረቡዕ 25 ጥሪ ብኣመክሮ ተፈቲሑ ዘሎ። ካብ መስረቲ ህወሓት ዝኾነን ኣብ ዘበነ ስልጣን እቲ ብህወሓት ዝምዘንን መንግስቲ ዝመርሕን ዝነበረ ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ ገዚፍ ጽልዋ ዝነበሮን በረኸት ስምኦን ድሕሪ ናይ ማእሰርቲ ግዜኡ ዝጽበዮ ዕድል ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብ ፖለቲካ ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ከም ሚኒስተር መራኸቢታትን ሓላፊ ጸጥታዊ ጽፍሕታትን ብምዃን ዝነጠፈ ኣቶ በረኸት ፣ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምዉጻእኡ ዝህሉ ኩነታት ብሓያለ ወገናት ዝተፈላለየ ግምታት ይዉሕዝ ኣሎ። ገለ፣ ኣቶ በረኸት ኣብ’ቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተደልዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ለዉጢ ክደጋገፍ ተሰማሚዑ ኪኸዉን ከምዝኽእል ኪግምቱ እንከለዉ፣ ገለ ድማ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘይነዓቕ ጽልዋ ዝነበሮ ኣቶ በረኸት ንኻልእ ዲፕሎማስያዊ መዓላ ኪጥቀመሉ መዲቡ ከይከዉን ይእምቱ።