ቤት-ፍርዲ ሎስኣንጀለስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ንቀታሊ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ስነጥበበኛ ራፕ ኤርምያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል) ናይ 60 ዓመታት ማእሰርቲ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ቀታሊ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣይርሳዕን።
እቲ ኤሪክ ሆልደር ዝተባህለ ወዲ 32 ዓመት ገበነኛ ፣ ንኒፕሲ ሃስል ናይ ቁልዕነት መተዓብይቱን ጎረቤቱን ኮይኑ ፣ በቲ ኣብ ልዕሊ ኒፕሲ ዝወሰዶ ብረታዊ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ ክልተ ካልኦት ብምንባሮም እዉን ፡ ብተወሳኺ ብፈተነ ቅትለት ክልተ ሰባት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ።

እቲ ቀታሊ፣ ተረኺብሉ ዝነበረ ገበን ንሕልፈት ከፍርዶ ከምዝኽእል ብብዙሕት ኽግመት እኳ እንተጸንሐ ተወሲኑሉ ዘሎ ዓመታት ማእሰርቲ እዉን እንተኾነ ምስ ዘለዎ ዕድመ ኣነጻጺርካ ካብ ናይ ሕልፈት ፍርዲ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን።

ኣብ 2019 ኣብ ኣፍደገ ናይ’ቲ ዝዉንኖ ዘ ማራቶን ዝጽዋዕ ዱኳኑ ብጥይት ዝተቐትለ ኒፕሲ ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ራፕ ዓብላልነትን ስምን እንዳሓዙ ዝመጽኡ ዝነበሩ ስነጥበበኛታት እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝዓበየሉ ከባቢ ብድኽነት ንዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝን ምልማዕን ኣብነታዊ ስራሕ ይዓምም ምንባሩ ዝንገረሉ እቲ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ፣ ሞቱ ንመላእ ህዝቢ ሎንሳንገለስን ምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካን ዘሰንበደ ኮይኑ፣ ኣብ ስነስረዓት ቀብሩ ስሙያት ዉልቀሰባት ዝርከብዎም ዓሰረታት ኣሽሓት ሰባት ከምእተረኽቡ ይዝከር።