ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስራሕ መርማሪ ጉጅለ ገበናት ኲናት ትግራይ ንምቚጻይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኪነጽጎ ልዕሊ 60 ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሳሲበን።

እተን ከም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኣካላት ናብ’ቲ ባይቶ ኣብ ዝሰደድኦ ሓባራዊ ደብዳቤ፣ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሰማዒ እንተረኺቡ ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግህሰታትን ንምቊጺጻር ዝዕልሙ ኣህጉራዉያን ተበግሶታት ብመንግስታት ኪጎናድብ ከምዝኽእል ዘመላኽት ሕማቕ ኣብነት ከምዝኸዉን እየን ኣጠንቂቐን።

እተን ትካላት ኣብ መልኽተን ፡ ተኣማንነት ናይተን ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነጥፋ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ጎዲሉ ምህላዉ ጠቒሰን፡ ገበናት ኲናት ትግራይ ንምጽራይ ዝሓሸ ኣማራጺ ብመንገዲ እቲ ሕቡራት ሃገራት ኣቚምዎ ዘሎ መርማሪ ጉጅለ ጥራይ ምዃኑ እየን ኣገንዚበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ገደብ ስራሑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝርከብ መርማሪ ጉጅለ ገበናት ኲናት ትግራይ ዕምሩ ንምሕጻር ይጽዕር ምህላዉ ክሕበር ቀንዩ እዩ። እቲ መርማሪ ጉጅለ ዕምሩ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምሕጻር፣ ርኽበታቱ ከየሕትምን ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከየቕርብን ድማ ንምዕንቃጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምካብ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ሚኒስትሪ ወጻእኢ ጉዳያት እታ ሃገር ፡ እቲ ጠለብ ምሉእ ደገፍ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክረክብ እዉን ዝሕለፈ ሰሙን ብወግዒ ጸዊዑ ኔሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ምዕንቃጽ መደብ ዘምልክት ጻዉዒት ንድፊ ብወግዒ ናብ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እኳ እንተዘየቕረቦ፣ ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ዝመጽእ 4 ሚያዝያ ዝኸይድ ኣኼባታት እቲ ባይቶ ግን ከቀላቕሎ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።

እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንገበናት ኲናት ትግራይ ክምርምር ዝቘመ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ስራሑ ኪቕጽል ብጸቢብ ጸብለልታ ድምጺ ኣባላት ሃገራት ምዉሳኑ ኣይርሳዕን።

እቲ መራማሪ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ ጸብጻቡ፡ ናብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝቃረቡ በደላት ብኹሎም ወገናት ከምእተፈጸመ ዘመላኽቱ መርትዖታት ከምዝረኸበ ገሊጹ እዩ።

እቲ መርማሪ ጉጅለ ፡ ኣብቲ ካብ 3 ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዚኣጋታትን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ ዝበሃል ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከጽንዕ ብ17 ታሕሳስ ናይ 2021 ዝቘመ ኮይኑ፡ ብ2 መጋቢት 2022 ነቲ ጉጅለ ዘካይዱ ስለስተ ኣባላት ከምእተመዘዙ ይፍለጥ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ፈለማ ይቛወምን እቲ ጉጅለ እኹል ገንዘባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ከይረክብ ክዕንቅጽ ፈቲኑን ምንባሩ እንተኾነ ከምዘይሰለጦ ይዝከር።

ብዘይካዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስራሕን ርኽበታትን እቲ መርማሪ ጉጅለ ንዝሰላሰል ዘሎ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከዉድቘ ከምዝኽእል እዩ ብቐጻሊ ዘጠንቅቕ ዘሎ።ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጥፈታት እቲ መርማሪ ጉጅለ ንትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቘ ከምዝኽል ኣተሓሳሲቡ ኔሩ ።