ኤርትራ ገለ ኣባላት ሰራዊታ ኣብ ሩስያ ክስልጥኑ ድሌት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ንሩስያዊት ማዕከን ዜና TASS ምሕባሩ እታ ማዕከን ኣፍሊጣ።

ኣምባሳደር ጴጥሮስ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ክራስኖያርሽክ ካብ 1 ክሳብ 3 መጋቢት ዝተቓንዐ መበል 19 ቊጠባዊ ዋዕላ ንምስታፍ ኣብ ዝተረኽበሉ እዩ ነቲ ሓበሬታ ነታ ማዕከን ዜና ኣካፊሉ። እንተኾነ እቲ ድሌት መዓስ ተግባራዊ ከምዝኸዉን ኣየነጸረን።

እቲ ኣምባሳደር ካብቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኤርትራ ካብ ዝሕይል ዘሎ ዝምድና እንታይ ትጽቢት ክህሉ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መዳያት ቊጠባን፡ ምክልኻልን ባህሊን ዘሎ ዝምድናታት ንምስፋሕ ድሉውነት ከምዘሎ ጠቒሱ ፣ ኤርትራ ኣብ ቴክኖሎጂታት ዕድና ሩስያ ልዑል ተገዳስነት ኣንቢራ ከምዘላ እዉን ኣረዲኡ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ከቢድ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣጸቢቚ ዝተረድአ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ምስ ሩስያን ናይ ምዉጋን ኣማራጺ ኣጥቢቑ ይኽተሎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ናይ ዛለፈ ወርሒ ጥሪ ምብጻሕ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ናብ ኣስመራ ኪንዮ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ፣ ህግደፍ ሽፋን ሩስያ ረኺቡ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ንምዝታይ ምንባሩ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም ነይሮም’ዮም።

ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ፣ ህግደፍ ምስ ሩስያ ዝተፈላለዩ ጸጥታዉን ወተሃደራዉን ዉዕላት ብምስጢር ኣቃኒዑ ከምዘሎ እዩ። እቶም ውዕላት ንጸጥታን ድሕነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮኑ ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኖም የረድኡ።

ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቓጻዕትታት ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደገፍ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክሕሰሞ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክቕበል ይረአ ምህላዉ እዉን ይግለጽ’ዩ።

ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገሩ ነተን ዝቐርበኣን ዝመሓዘወኣን ሃገራት ኣጽዋርን ክትሸጠለንን፡ ወተሃደራዊ ቊመናአን ኣብ ምሕያል ክትተሓባበረንን ድልዉቲ ምህላዋ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።