“ርዋንዳ ንተመላሶ ስደተኛታት እታ ዝወሓሰት ሃገር እያ ኢላ ገና ከምተኣምን” ሚኒስተር ዉሽጥዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱኤላ ብሬቨርማን ገሊጻ።

መስርሕ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ መዓስ ከምዝጅምር ካብ ምሕባር ዝተቘጠበት እታ ሚኒስተር ፣ መንግስታ እቲ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ሓሳቡ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ደገፍ ረኺቡ፣ ንሓደስቲ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት መሰል ዑቕባ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ድማ ንተግባራዉነት ኣቃሪቡን ብምህላዉ ፣ እቲ መስርሕ ምስጓግ ናብ ርዋንዳ ኣብ ዝሓጸረ ክጅምር ምዃኑ እያ ኣረዲኣ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናብታ ሃገር ዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝሕልን ዉዕል ምሉእ ሕጋዉነት ንምልባስ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር እቲ መደብ ንመትከላት ውዕል ቬና ዘይ-ጻረርን ንምትግባሩ ከሰክፍ ዘይብሉን ምዃኑ ኣቐዲሙ እኳ ተተቐበሎ ፣ እቲ ዉሳኔ ብሓያሎ ፍርዳዉያን ኣካላት እታ ሃገር ተወሳኺ ተቛዉሞ ስለዝገጠሞ ግና ብተወሳኺ ፍርዳዊ መስርሕ ኪሓልፍ ተገይሩ ዳግማይ ተቐባልነት ምርካቡ ይፍለጥ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ፣ ብመትረብ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ስደተኛታት ፣ ካብታ ሃገር ሻቡ ኪጥረዙ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪ ሕጂ እዉን ከይኣትዉ ንምኽልካሎም ሕጊ ምንዳፉ ይፍለጥ።

ብመሰረት ኽትግበር ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ በቲ ማያዊ መስመር ብዘይጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ስደተኛ ኣብ’ታ ሃገር ከይጸንሕን ዳግም ናብታ ሃገር ከይኣቱን ክእገድ እዩ።
በቲ ማያዊ መስመር ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ዝተረረ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፣ ድሮ ብሓያሎ ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ተቛዉሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ደጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ንመሰል ስደተኛታት ዝሕለቓ ትካላት ብሪጣንያ፡ እቲ ወጽዩ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ንመሰረታዊ ሕጋጋት ኣህጉራዊ ዉዕላት ዝጻባእን ንምትግባሩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ከምዝኾነ ብምምጓት መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ኣትሪረን ይጽዉዓ ኣለዋ።