ልፍንታዊ ሰልፊ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኤርትራ EPF፣ ጉዳይ እቶም ብኣባላት ጸጥታ ሱዳንን ተሓባበርቲን ዝጋፍዑ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቅልጡፍ ኣቓልቦን ፍታሕን ክረክብ ናብ ሓላፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ናይ ምሕንጽንታ ደብዳቤ ልኢኹ።
EPF ኣብ ምሕጽንታኡ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ዕለታዊ እንዳተሃድኑ ይእስሩን ንመልቀቒኦም ልዕሊ 1,000 ዶላር ኣመሪካ ኪኸፍሉ ይግደዱን ከምዘለዉ ብምዝኽኻር ፣ እንተዘይከፊሎም ቀጻሊ ይግረፉን ይጋፍዑን ምህላዎም ከይኣክል፣ ዋላ ከፊሎም እንተወጽኡ እዉን ዝኾነ ሰነዳዊ መሰነይታ ስለዘይወሃቦም ዳግማይ ተገፊፎም ንተወሳኺ ጸገምን መኽፈልቲን ይቃልዑ ከምዘለዉ እዩ ኣተኣሳሲቡ ዘሎ።
ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ UNHCR ዝተመዝገቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ኤርትራዉያን ከምዘለዉን፣ ካብኣቶም ኣስታት 90 ሽሕ ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ምዃኖምን ኣብ ደብዳቤኡ ዝጠቐሰ EPF፣ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ስደተኛት ኣብ ከተማታት ሱዳን ይነብር ከምዘሎ እዩ ኣረዲኡ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ንከባቢ 60 ዓመታት ካብ ሓዉ ህዝቢ ሱዳን ዑቕባን ሓልዮትን ኪረክብ ምጽንሑ ዘዘኻኸረ እቲ መልእኽቲ፣ ካብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ግን ኣባላት መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ጥራይ ዘነጻጸሩ ግፍዕታትን ክዛይድን ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ቀይዲ በቲኹ ከምዘሎን እዩ ኣብሪሁ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት እቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብቕልጡፍ ደዉ ንምባል ሓላፍነቱ ኪዋጻእ ኣትሪሩ ዝጸዉዐ EPF፣ እቲ ኩነታት ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ እንተዘይተረኺብሉ ናብ ዝበእኣሰ ቅልዉላዉ ኪዓርግ ምዃኑ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ደቈም ኣብ ሱዳን ዝእሰርዎምን ዝጋፍዕዎምን ዘለዉ ወለዲ ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ንዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝሰድዎም ዘለዉ መልእኽታት ፣ ኤምባሲ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደል ደዉ ክብል ዘይኮነ ንምብኣሱ ከምዝሰርሕ ብምዝኽኻር ፣ እቶም ስደተኛታት ተስፋኦም ካብ ድምጺ’ቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ስደት ዝርከብ ወገኖም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዮም።
ኣብ ስደት ዝነብር ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጸገም ንዝወድቊ ኣሕዋቱ ደዉ ኢሉ ድምጹ ምስማዕ ባህሉ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ወለዲ፣ እዚ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ጥራይ ተለሚዱ ዘሎ ማእሰርቲን ገንዘባዊ ምዝመዛን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደዉ ንኽብል ዝተወደቡ ሰለማዊ ሰልፍታት ምጽዓቕ ከምዘድሊ እዮም ብቐጻሊ ዘተሓሳስቡ ዘለዉ።
ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩልዎም ሓያለ ወገናትና ካብ ከተማ ካርቱም ብዘይምቁራጽ መልኽትታት ይሰዱልና ምህላዎም ይፍልጥ።
ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተዓስቡ ተሓባባበርቲ ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ገዛ ገዛ እንዳእኣተኻ ዝካየድ ዘሎ ምልቃም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመሪሕነት ይዋስኡ ብምህላዎም ፣ እቲ ጸገም ብዝበኣሰ መልክዑ ክቕጽል ጌሩ ኣሎ።
ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኮይኖም ኣብ ምእሳር ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወፊሮም ዘለዉ ልኡኻት ኤምባሲ ህግደፍ ፡ ዝተኣስሩ ኣሕዋቶም ንመልቀቒ ካብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ተቘራጺ ይሕሰበሎም ከምዘሎ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሮም እዮም።
ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን መንሰያት ኪህሉ ኣመና ዘስግኦ ጉጅለ ህግደፍ፣ ምስ መንግስታትን ሰብመዚ ጸጥታን እተን ሃገራት እንዳተሻረሐ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም መንሰያት ቀጻሊ ራዕዲን ጸቕጢን ከምዝህሉ ጌርካ ኣርሒቖም ኪስደዱ ንምግዳዶም ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።