ኤርትራ ምስተን ፖለቲካውን ሲቪላውን ናጽነታት ብዝገዘፈ መለክዒ ዝተሓረመን ሃገራት ተሰሪዓ ትቕጽል ምህላዋ ፍሪዶም ሃውስ ዝተባህለ ተሓላቒ ሰብኣውነት ዝኾነ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ካብ ደሞክራሲን ሰብኣዊ ናጽነታትን ካብ መሰረቱ ኣላጊሰን ካብ ዝርከባ 56 ሃገራት ፡ ኤርትራ ምስ’ተን ዝበኣሳ 16 ከምትስራዕ እዩ እቲ ትካል ጸብጺቡ።

ፖለቲካዊን ሲቪላዊን ነጻነታት ዓለምና ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ 17 ዓመታት ኪዝሕትል ምጽንሑ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፣ ብፍላይ ኣብተን ብምልካዉያን ስርዓታት ዝምርሓን፣ ስርዓት-ኣልቦነት ዝነገሰለንን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ቀይዲ ይበትኽ ምህላዉ እዩ ዘረድእ።

ኤርትራ ፥ የመን፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሰሜን ኮርያ፥ ሶርያ፥ ቻይና፣ ኢኳተርያል ጒኒ፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ቤላሩስ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣፍጋኒስታን ፣ ታጃኪስታን፣ ኣዘርባጃን፣ ቱርክሚንስታንን ምያንማርን እተን “ዝበኣሳ ገሃስቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ናጽነታት” ተባሂለን እየን እብ’ዚ ናይ 2023 ጸብጻብ ፍሪዶም ሃውስ ደጊም ሰፊረን ዘለዋ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ፥ ዓለማዊ ደሞክራሲን ሰብኣዊ ክብርን እናደስከለን ቀጥታዊ ተጻብኦታት ብናይ ምልኪ ስርዓታት እናገጠሞን ይመጽእ ከምዘሎ ብምግንዛብ፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሰብኣዊ ናጽነትን ደሞክራስያዊ ሃዋህዉን ዘቐድም “ዓለማዊ ስርዓት” ተጻይ ዝኾኑ ዘለዉ ወገናት ተግባራዊ ስጒምትታት ኣብ ምውሳድ ክነጥፍ ደጊሙ ተማሕጺኑ።

ነጻነታት ብኩሉ መለኪዕታት ይብሕጎጉ ከምዘለዉ ዘረደአ ዓመታዊ ጸብጻብ ፍሪዶም ሃውስ፥ ቅልጣፈን ጽልዋን እቲ ምቡሕጓግ ካብ 2005 ጀሚሩ ብተኸታታሊ ይዛይድ ምህላው የገንዝብ።