ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ከተማ ዛንዚባር ናይ ታንዛንያ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ምዝዛሙ ተሓቢሩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንቀዳምይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ  እቲ ንሰሙን መመላእታ ክካየድ ዝቐነየ ሃናጺ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ምዝዛሙ እዩ።

“እቲ ዘተ ብሓፈሻኡ ሃነጽቲ ሓሳባት ዝመንጨውሉ ምንባሮም ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ሬድዋን ፣ ኣብ ገዘፍቲ ጉዳያት ግን ናብ ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዘይከኣለ ብምሕባር  እቲ ፈላሚ መድረኽ ዘተ ግን ንቀጻሊ ምይይጥን ሰላማዊ ልዝባትን ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ኣይሓብአን። ብወገን ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞ ዝወጸ መግለጺ እዉን ተመሳሳሊ እዩ።

ኣግለግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዉን፣ እቲ ዘተ – ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ክንደይ ንሰላማዊ ፍታሕ ቅሩባት ምህላዎም ዘመላኸተ ምንባሩ ጠቒሱ  ኣብ ዝቕጽል መድረኽት ዘተ ዝሓሸ ዉጽኢት ክርከብ ተስፋ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
እቲ ብመንግስታት ኬንያን ኖርወይን ተሰላሲሉ ብኣላይነት ኢጋድን ዝተቓንዐ ዘተ ፣ ነቲ ንዓመታት ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ዕጡቓትን ኣብ ክልል ኦሮሞ ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምዝላቕ ልዑል ጽልዋ ክህልዎዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩ’ዩ ጸኒሑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ጸጥታዊ ኩነታት ደቡባዊን ምዕራባዊን ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትኣፋፈንነቱ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ጸብጻባት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ኲናት ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኲነታት ኣብ ምምሕያሽ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ እዉን ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝዓርግ ዘሎ ጎነጽ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ሰልፍታትን እታ ክልል ፣ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ንምኽታም ምስ ህወሓት ዝበጽሖ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ገዚፍ ሓይሊ ወኒኑ ዝራጸም ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዉን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ንነባሪ ርግኣት እታ ክልል ክሰርሕ እዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።