ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓፈሻ ከባቢታት ጎንደር ድማ ብፍላይ ፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት እታ ክልልን ብተደጋጋሚ ዝቀላቐል ዘሎ ብረታዊን ጸጥታዊን ምትፍናን ኣብ ቀጻሊ ሽቚረራ ምህላዎም ዳግማይ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ህላዌ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዕምሩ ኣብቂዕዑ እዩ ኢሉኳ እንተገለጸ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ጉዳይ ልቦም ኣዉዲቘም ኪቕበልዎ ይመርጹ ብዘይምህላዎም፣ እቲ ኩነታት ናብ ዘይተደልየ ግጭት ኣምሪሑ ንሰላማዊ ህዝቢ በሓፈሻ ንስደተኛታት ድማ ብፍላይ ግዳይ ከይገብሮም ተሰጊኡ ይርከብ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ልዕሊ 25 ሽሕ ዝግመት ኮይኑ፣ ነቲ መዓስከር ንኽሕልዉ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ዝተመዘዙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ይንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ኩለን ክልላት ዝመደቦ ዳግመ ስርርዕ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ከምሳዕቤኑ ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ክልል ህዝባዊ ተቛዉሞታት ኪርአን ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ኣምሓራን ሓሓሊፉ ግጭታት ክምዝገብን ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሪዖዎ ዘሎ መደብ ዳግመስርርዕ ፍሉይ ሓይሊ፣ ከም ናይ ካልኦት ክልላት ኣብ ክልል ኣምሓራ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ክትግበር ድዩ ኣይፋል ዛጊት ዝተነጸረ ነገር ብዘይምህላዉ፣ ኣብ’ታ ክልል ኣብ ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ኣልመዋጭ ዘለዉ ኤርትራዉያን ክዉላዕ ካብ ዝኽእል ሰፊሕ ግጭት እንዳሰግኡ ኣብ ወጥሪ ይነብሩ ኣለዉ።