ኣብ ወደባዊት ከተማ ፋክስ ናይ ቱኒዝያ ግጭት ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታትን ነበርቲን ኣሰካፊ መልክዑ እንዳሓዘ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሰብመዚ እታ ሃገር ንሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ንሊብያ ኣልጀርያን ኣብ ዘዳዉብ ግሉል ከባቢ የግዕዝዎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ንመሰል ስደተኛታት ዝሕለቕ ትካል እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ፣ ዛጊት ልዕሊ 1,200 ዝቚጸሩ ዜጋታት ሃገራት ሳሕለ-ሰሃራ ዝኾኑ ስደተኛታት ግዒዞም ከምዘለዉ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሮም ፣ ኣማኢት ቱኒዝያዉያን ነበርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማኦም ዝዛይድ ዘሎ ቊጽሪ ስደተኛታት ዘለዎም ተቛውሞ ከስምዑን ፣ መንግስቲ ነቶም ስደተኛታት ኪሶጎም ክጽውዑን ምጽንሖም ይፍለጥ። ወደባዊት ከተማ ፋክስ ፣ እታ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ከም ቀንዲ መበገሲት ክመርጽዋ ጀሚሮም ዘለዉ ቱኒዝያዊት ከተማ ምዃና እዩ ዝንገር።

ኣብ ምጅማር እዚ ሰሙን እዚ ፣ ኣብቲ ምስ ስደተኛታት ሰሪቱ ዘሎ ረጽሚ ሓደ ቱኒዝያዊ ድሕሪ ምቕታሉ ፣ ናይ ሕነ ምዉሳድ ስጒምትታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽልን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ሃስያ ይበጽሕን ኣሎ። ነበርቲ ክሳብ ናብ መንበሪ ገዛ ስደተኛታት እንዳኣተዉ ሰባት ብመሳዂቲ ከጽድፉን ፣ ቈልዓ ሰበይቲ ከጋፍዑን ይረኣዩ ኣለዉ።

ቱኒዝያ ልክዕ ከም ሊብያ ካብ ቀንዲ መሳገሪት’ቶም ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ጀላቡ ዝሳፈሩ ስደተኛታት ኮይና ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ ፣ ኣብ’ታ ሃገር ዚዛይድ ዘሎ ቊጽሪ ሰጋሮ ንህዝቢን መንግስቲን የጨናንቕ ምህላዉ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ብምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃር ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይረኣዩ ምህላዎም እዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ፕረዚደንት ቱኒዝያ ቃይስ ስዒድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንስደተኛታት ዘቈናጽብ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕሊላፉ ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታን ተራ ዜጋታትን ዝካየድ መጥቃዕቲ ዕለታዊ ይብስ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት ፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ልዕሊ ዝመጹ ስደተኛታት “ህጹጽ ስጉምትታት” ክወስዱ ንኣባላት ጸጥታ ሃገሩ ድሕሪ ምእዛዙ ፡ ብርክት ዝበሉ ቱኒዝያውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጎነጽ ክጥቀሙ ከምዝጀመሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካልኦት ኣማኢት ስደተኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ተታሒዞም ካብ ገዝኦምን ስርሖምን ከምዝተባረሩ እየን ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሳ።

ሓያለ ካብቶም ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብናይ እምባጋሮ ጉጅለታትን መንእሰያትን ናይ ዝነብሩሎም ከባቢታት፡ ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ይበጽሖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ኮይኖም፣ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምድንጓያት ከምዘርዩ እዮም ዝወቕሱ።