ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ደዉ ኢሉ ዘሎ ረድኤት ምስቲ ብሰንኪ ኲናትን ደርቂን ኣብቲ ከባቢ ሰሪቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ተደሚሩ ከቢድ ዓጸቦ የጋዲድ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ። ቤትጽሕፈት ምዉህሃድ ሰባኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘዉጸኦ ጸብጻብ ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ሚዛን ሰብነትን ኣመና ፈዂሱ ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ቊጽሪ ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 9 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ምህላዉ ዘዘኻኸረ እቲ ቤትጽሕፈት ፣ ዝርካቡ ረድኢት ተቛሪጹ ብምህላዉ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ እቲ ከባቢ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ኾይኑ ከምዘሎ የተሓሳስብ።

 

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ናብ ኢትዮጵያ ዘብልዎ ሰባኣዊ ሓገዝ ደዉ ምባሉ ፣ ተወሳኺ ሃስያኡ ድሮ ይምዝገብ ከምዘሎ ክግለጽ ቀንዩ እዩ። ኣብ ዉሽጢ መወዳኣታ ክልተ ሰሙናት ናይ ወርሒ ሰነ ጥራይ ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ብውሑዱ ልዕሊ 700 ሰባት ብጥሜት ምማቶም ተሓቢሩ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ስርቂ ግቡእ ምጽራይ ተኻዪድሉ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ሃገራዊ ምጽራይ እተካይድ ኮሚቴ ኣጣዪሱ ከምዘሎ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ገሊጹ እዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብ19 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ትካሉ ንምሕደራ ምቕርሐ ረድኤትን፡ ምልላይ ተጸበይቱን ብዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዝልዕል ስልጣን ክህልዎ እንተተፈቒድሉ ፣ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ወርሒ እዚ ናብ ንጡፍ ስራሑ ክምለስ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣረዲኡ እዩ።

እዚ ጠለብ እዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እወታዊ ግብረመልሲ እንተረኺቡ፣ ናብ ክልል ትግራይን መዓስከራት ስደተኛታት ረድኢት ምስዳድ ክጅምር ከምዝኽእል ዝሕብር ዘሎ እቲ ትካል፣ ብዛዕባ እቲ ሰሪቱ ዝበሃል ዘሎ ስርቂን ምጥፍፋእን ረድኤት ዝሕተት ወገን መን ምዃኑ ንምንጻር ንዝኸይድ ዘሎ ምርመራ ይጽበዩ ምህላዎም እዉን ይጠቅስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብUSAID ጸኒሑ ድማ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተወስደ ረድኤት ናይ ምቊራጽ ስጒምቲ ካልእ መዘዝ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ዉሳኔ ፈልዩ ከምዘይርዮ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተተሓዘ ግህሰታት ኣሕሊፋቶም ዝጸንሐት ምአቕጻዕትታት ከተዝልቘም ወሲና ብምህላዋ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ’ታ ሃገር ከምርሕ ልዑል ተስፋ ተነቢሩ ኣሎ።