ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ማለት ሓመቲ ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዙ ዘለዉ ከምዝመስል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ ኣለዉ።

ቊጠባዊ ቊመና መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ተዳኺሙ ብምህላዉ ፣ መሃያን መሻርፍን ደንጉዩዎም ናብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ናይ ዘስተልሙ ዘለዉ ባላት ሰራዊት ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዝገልጹ እቶም ወገናት፣ ናይዚ መርኣያ ከይኮነ ኣይተርፍን ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንመንሰያት እታ ሃገራት ናይ ክተት ጻዉዒት ዝደጋግም ዘሎ ይብሉ።

ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ዞባ ካርቱምን ምዕራብ ዳርፉርን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ካብ 4 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ከተማ እምዱርማን ከቢድ ግጭት ይካየድ ምህላዉ ይንገር።

ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ናብ መንሰያት እታ ሃገር ጥራይ ዘይኮኑ ፣ ኣባላት ሰራዊት ንዝነበሩ ጥዩሳትን ጥሮተኛታትን እዉን ኪኸቱ እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ። ኣብዚ እዋን ሓደስቲ ኣባላት ናይ ምዕሳብ እኹል ገንዘባዊ ዓቕሚ ወኒኑ ዝበሃል ዳዕመልሰሪዕ ነቲ ድሮ ክሳብ 100 ሽሕ ኣባላት ዝሓቚፍ መሳርዑ ተወሳኺ ዓቕሚ ሰብ ኪጽንብረሉ ይርአ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ሰሪቱ ብዝነበረ ቊጠባዊ ቅልዉላዉ ሰራዊት እታ ሃገር ይኹኑ ኣባላት ጸጥታ ፡ ፊናንሳዊ ሃጓፋትቶም ንምሽፋን ኣብ ዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኪወፍሩ ይረእኣዩ ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብ ሓይልታት ሓመቲ እኹል ደሞዝን መሻርፍን እንተተቐሪብሎም ከስተልሙ ከምዘይጽገሙ ክግመት ጸኒሑ እዩ።

ፊናንሳዊ ምንጭታት እቶም ተራጸምቲ ወገናት ንምዕጋት ብኣመሪካ ገለ ስጒምትታት እኳ እንተተወስደ፣ እቲ ኣብ ገዚፍ መርበብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ዕደናን ንዓመታት ወፊሩ ዝጸንሐ ጀነራል ሓመቲ በቶም ስጒምትታት ዝተጸልወ ኣይመስልን።

ኣብ ክፍሊ ተረዠሪ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ምስ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ይቃረባን በብወገነን ዝደጋገፋን ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበለን 4 ኩባንያታት ሱዳን ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓልፈ ወርሒ ተረርቲ እገዳታት ኣሕሊፉ ምንባሩ ይፍለጥ። እተን ኣርባዕተ ኩባንያታት ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኪጋደድ ፊናንሳዊ ውሕስነት ይህባ ኣለዋ ብዝብል እዩ መቕጻዕቲ ተሰሪዑለን።

በቲ ናብ ሳልሳይ ወርሑ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,500 ሰባት ጠፊኡ ከምዘሎ ይሕብር። በቲ ኲናት ድሮ ከባቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ፡ ካብ’ዚ እቲ ሓደ ሲሶ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።