መስርሕ ፍርዲ ሪክ ማቻር፡ ብፈተነ ቅትለት ከም ዝተዓናቐፈ ተገሊጹ
ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ነበር ዶ/ር ሪክ ማቻርን ምስኡ ዝተኸሰሱ ሸውዓተ ኣባላትን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ”መርዛም” ክብል ገሊጽዎ።
ማቻር፡ ኣብ መበል 120 ጉባኤ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ፈላማይ መከላኸሊ ቃል ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ እቲ ፍርዲ ብዘይ እኹል ምርመራ ዝካየድን ዘላቒ መፍትሒ ዘየምጽእን ኢዩ ብምባል፣ ንሱን ብጾቱን ብዘለዎም ስግኣት ጸጥታ ብፍትሓዊ መገዲ ክቕጽል ከም ዘይኽእል ምግላጹ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሱዳን ፖስት ይሕብር።
“እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኸሰሱ ሰባትን ኣባላት ጉጅለ ጠበቓኦምን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምጥፋእን ንምቕታልን ብዝተኣልመ ውዲት እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ዝተመረዘ ኮይኑ ኣሎ፡” ክብል ማቻር ብጽኑዕ ነቒፉ።
ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ልዑል ስግኣት ጸጥታ ከም ዘሎለዎም ንቤት ፍርዲ ኣፍሊጦም ‘ዮም።
እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ጥርጡራት ምርመራ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝተኸሰሱን ንጠበቓታቶምን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመጹሉን ዝምለሱሉን እዋን ሓለዋ ክገብሩሎም ትእዛዝ ሂቡ።
ማቻር፡ እቲ እቲ ስጉምቲ እኹል ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ ዘለዎ ጥርጣረ ገሊጹ።
ማቻርን ሸውዓተ ብጾቱን፡ ኣብ መጋቢት 2025 ብ’ጻዕዳ ሰራዊት’ ዝተባህለ ሚሊሻ ኣብ ላዕለዋይ ኒል ዝርከብ ሰራዊት መንግስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምድጋፍን ብምእላምን ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ይርከብ።






