ሻዕቢያ
Eritran military

ሰራዊት ኤርትራ፡ ንምብራቓውን ምዕራባውን ዞባ ትግራይ ለቂቑ ከም ዝወጸ ተገሊጹ

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ዞባታት ትግራይ ሒዝዎ፡ ካብ ዝነበረ ግዝኣት ኢትዮጵያ ይወጽ ከም ዘሎ መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ዶይቼ ቬለ ኣረጋጊጹ። «የኤርትራ ወታደሮች ከያዟቸው የኢትዮጵያ ግዛቶች እየለቀቁ ነው።»…

ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ይንቀሳቐሱሎም ካብ ዝነበሩ ዛግር፣ ዝባን ገደና፣ ሽመልባ፣ ዓዲ ሃገራይን ዓዲ አውዓላን ካብ ዝተባሃሉ ከባቢታት ለቂቖም ምውጽኦም ስሞም ዘይጠቐሱ መሰኻኽር ዓይኒ ምዝራቦም ይጠቅስ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ ከባቢ ዝለቀቑሉ ምኽንያት፡ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራልን ሓይሊ ሰላም ትግራይን፥ንሽረ እንዳስላሰ ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ ርሕቐት ዝርከቡ ቦታታት ብምቁጽጻሮምን ብዝተፈጸሙ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታትን ድሮንን ምዃኑ ተገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ጓል ባድመን ሸራሮን ከባቢታት ከም ዝርከብ እቲ ምስክር ዓይኒ ምዝራቡ ይሕብር።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ካልእ ምስክር ዓይኒ ብወገኑ፡ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተመልሱ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማ ዓዲግራት 5 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ፋጺ ተኣካኪቦም ዝነበሩ እኳ እንተኾኑ፡ ትማሊ ምሸት ካብቲ ከባቢ ከም ዝወጹ ንዶቸ ቨለ ሓቢሩ።

Tigray map
Google map of Tigray

ኣብ ዝሓለፉ 3 መዓልታት ካብ ፋጺ ክሳብ ዛላምበሳ፡ ኣብ ዝተዘርግሐ ሰራዊት ኤርትራ ዝሰፈሩሎም ግዝኣታት ኢትዮጵያ ሓያል ደብዳብ ድሮን ከም ዝነበረ ‘ውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ዛላምበሳ በዝተፈጸመ ደብዳብ ኣጽዋራት ዝጸዓና መካይን ብምውቃዐን እቲ ጥይታት ክነድድ ከሎ ሓያል ነታጒ ይሰምዑ ከም ዝነበሩ’ውን ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዮስ፡ ብዓርቢ ንትካል ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ተሳጊራ ግዝኣታት  ኢትዮጵያ ከም ዝሓዘት ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ርእሳ  ናይ ምክልኻል መሰላ ተረጋግጽ ከም ዘላ ምግላጹ ዝፍለጥ’ዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፡ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ንክሲ  ኢትዮጵያ  “ኣዋጅ ውግእ” ብምባል፡ ባይቶ ጸጥታ ኢዱ ከእቱ ምሕታቱ ዝዝከር’ዩ።