ትራምፕ፡ “ሶማሊላንድ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር እያ፥ ስማ ግን ክትቅይር ኣለዋ” ኢሉ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሶማሊላንድ ካብ ሶማልያ ዝተፈልየት ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ስማ ክትቅይር ከምዘለዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ፡ ሚድል ኢስት ኣይ ዝዘርግሖ ጸብጻብ የመልክት።
ትራምፕ ኣብ ኦሃዮ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ “ሶማሊላንድ ዘይኮነስ፡ ሶማልያ ላንድ ኢለ እየ ዝጽውዓ፡ ምኽንያቱ ብሓቂ ፍጹም ዝተፈልየት ሃገር እያ” ብምባል፡ ብቕልጡፍ ስማ ክቕየር ከም ዝግባእ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ሶማሊላንድ፡ ነቲ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ዝሃቦ መግለጺ እናተቐባበሉ ይዝርግሑዎ ኣለዉ።
ሪፓብሊክ ሶማሊ-ላንድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፈቶ መግለጺ እውን፡ ርእይቶታቱ ንፍሉይ መንነታን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ክውንነታን ዘጉልሕ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ።
ሰብመዚ ሶማሊላንድ፡ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳር ብምፍጣር፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሶማሊላንድ ንምርግጋጽ ተወፋይነት ከምዘለዎም ኣካፊሎም ኣለዉ።

ይኹን’ምበር፡ ዘረባ ትራምፕ፡ ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ታ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት፣ ግን ከኣ ካብ ነዊሕ እዋን ሰፊሕ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ትደሊ ዘላ ሶማሊ-ላንድ፡ ዝኾነ ለውጢ ምህላዉ ዘመልክት ድዩ ኣይኮነን ክሳዕ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። እስራኤል ንሶማሊ-ላንድ፡ ኣብ 2025 ብወግዒ ኣፍልጦ ከምዝሃበት ይዝከር።
ርእይቶ ትራምፕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ምቕልቃሉ፡ ኣብ ምርግጋእ እቲ ዞባ ተወሳኺ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።