Home News ካድር ህግደፍ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ኣድሂቡ፡ ካብ ተኣከብቲ ህዝቢ...
ካድር ህግደፍ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ኣድሂቡ፡ ካብ ተኣከብቲ ህዝቢ ንዝቐረበ ሕቶ ብኸመይ መንገዲ መልሲ ሂቡሉ ነይሩ፧ …
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዘመን “ተደምረናል” ንሕቶ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብኸመይ መንገድን ኣገባብን ይምልስዎ ነይሮም ተዘክሮ ትማሊ’ዩ።
ትማሊ ኢትዮጵያ ንኸይትፈርስ፡ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ። ወያነ ንምጥፋእ ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ጠፊኡ። ሎሚ ድማ ንብልጽግና ንምጥፋእ ምስ ህወሓት ተላፊኑ፡ “ጽምዶ” ዝብል ዜማ ብምሓዝ ንመንእሰይ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ፕሮፎሰር ፍስሃጽዮን ቅድሚ 23 ዓመት “ልኡላውነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዋረዶን ምስ ገፍዖን እዩ ልኡላውነቱ ተደፊሩ። ልኡላውነት ሰፊሕ ኣምርን ትርጉምን ዘሎዎ ዓውዲ እዩ። ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ከይተኸብረ፡ ብልኡላውነት መሬት ጥራሕ ምዝራብ ኣግባብ ኣይኰነን’ዩ። ኢሳይያስ ንኤርትራ ክሳዕ ዝመርሓ ድማ ሞት፡ ስቓይን ውርደትን ክቕጽል’ዩ።” ምባሎም ዝዝከር’ዩ።
ዶ/ር ፍስሃ (ዓቢ ዳዕሮ) ብወገኑ ቅድሚ 30 ዓመት ኣቢሉ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ተግባራቱን ብምስትውዓል፡ “መንእሰያት ንቕሑ ኢኹም። መንግስቲ ቦታ ሚኒስትራት ስለ ዝቐየረ፡ ለውጢ ዝገበረ ከይመስለኩም። ሓደ ሚኒስተር ብኻልእ ሚኒስተር ወይ ካብ ሓደ ቦታ ሚኒስተርነት ናብ ካልእ ብምቅይያር፡ መሰረታዊ ለውጢ ዝገበረ ከይመስለኩም። ኣብ ገዛኹም ትድቅሱሉ ዓራት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ብምቕያር ድቃስ ትረኽቡ ከይመስለኩም። ድቃስ ዝርከብ ነቲ ድቃስ ዝኸልኣካ ጠንቂ ብምእላይ’ዩ።” ምባሉ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነበር ዝዝክርዎ ጉዳይ’ዩ።
ኣቶ ብርሃነ ድማ “ቀደም ሰራዊት ስዒርና፡ ሕጂ ድማ ኣተሓሳስባ ስዒርና። ስለዚ፡ ነዚ መንግስቲ እዚ እንታይ ግበር ኢኹም ትብልዎ ዘሎኹም፧” ክብል ክወራዘይ ፈቲኑ’ዩ።
እንተዀነ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ርትዒ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓትን ዕብየትን ብቐንዲ ይደልይ።
ብድሕሪኡ ድማ ነቶም ጨቆንትን ረገጽትን ካድረታትን ስርዓት ህግደፍን ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከቕርቦምን ናይ ኢዶም ክረኽቡ ይደልይን ይምነይን’ዩ።
ስለዚ፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ይኣክል” ኢልዎ’ዩ። ሕጂ’ውን ጠንቂ ዕንወትን ኲናትን ኰይኑ ይቕጽል ብምህላዉ፡ “ቶባእ፡ ይኣክል!” ክበሃል ይግባእ።
እወ። ባጫ ይኣክል። ባርነት ይኣክል። ውርደት ይኣክል። ኲናት ይኣክል። መግዛእቲ ይኣክል ክበሃል ይግባእ’ዩ።