ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ በጺሑ
ሓይልታት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ናብ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝበጽሑ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
እታ ከተማ ምስ ግዝኣት ኤርትራ እትዋሰን እኳ እንተኾነት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ግን ዶብ ከም ዘይሰገሩ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ምንጭታት መረዳእታ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጾም ኣለዉ።
በቲ ካልእ ወገን፡ መንነቱ ዘይተገልጸ ሓደ ኣባል ሚሊሻ ሓይሊ ከም ዝሓበሮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝርከቡ ይሕብር።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባት ክሳዕ ሕጂ ዝተፈጥረ ክስተት ወይ ዝተኸፍተ ዉግእ ከምዘየለ ጸብጻባት የመልክቱ።