ቻይናን ሰሜን ኰርያን ርክባተን የድንፍዓ
ኣብ መንጐ ቻይናን ሰሜን ኰርያን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝምዕብል ዘሎ ርክባት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ይንድፍዕ ከም ዘሎ ሎሚ 14 ጥቅምቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት።
እተን ሃገራት ዝገብርኦ ዘሎዋ ኩሉመዳያዊ ርክባት ብንግድን ቁጠባን ንምድራዕ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ዘሎ ድልድል ተሃኒጹ ናብ ስራሕ ክኣቱ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ ጽባሕ 15 ጥቕምቲ ዝምረቕ ድልድል ንቀላይ ያሉ ዝሓልፍ ኰይኑ እተን ሃገራት ኣብ መጐዓዝያ፥ ንግድን ቁጠባዊ ሽርክናታተን ንቕድሚት ከሰጉም ከም ዘኽእል እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
An entrance to the Chinese customs facility for the New Yalu River Bridge
ቻይና ምስ ኣመሪካ ብዘሎዋ ዉድድር ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እተካይዶ ዘላ ወፍርን ሽርክናን ካብ ጊዜ ናብ ግዜ ተሓይሎ ከም ዘላ ተንተንቲ ይገልጹ።
China, North Korea to strengthen strategic cooperation, KCNA says | Reuters